Walta Hagerna Sweden #291

Walta Hagerna Sweden #291 Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Walta Hagerna Sweden #291, Idrottsevenemang, Gävle.

#ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ ንስሌኣን ንህዝብካን ዋልታ ምኻን
#ምእንቲ ክብሪኪ ዓወት ዝመንጨው
ንክብሪ መንነቶም ደኪምና ዘይብሉ !!!
ምእንቲ ክብሪኪ ሕስብ እዮም ዝሓድሩ
ቀዳሞት ንምዉጻእ ሃገሮም ዘክብሩ !!!
ስምና ጸዊዖም ባንዴራ ሃገሮም እናበልበሉ
ስደት ከይዓጀቦም ንስምናን ንስም ሃገሮም ብክብሪ ዘስምዑ !

13/02/2025
10/02/2025

#ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ ንስሌኣን ንህዝብካን ዋልታ ምኻን
#ምእንቲ ክብሪኪ ዓወት ዝመንጨው
ንክብሪ መንነቶም ደኪምና ዘይብሉ !!!
ምእንቲ ክብሪኪ ሕስብ እዮም ዝሓድሩ
ቀዳሞት ንምዉጻእ ሃገሮም ዘክብሩ !!!
ስምና ጸዊዖም ባንዴራ ሃገሮም እናበልበሉ
ስደት ከይዓጀቦም ንስምናን ንስም ሃገሮም ብክብሪ ዘስምዑ !
ዋልታ>ዋልታ ሓድነት> 9,6,2,1❤
>ዋልታ>ሓድነት>
>ዋልታ ስጥመት>
>ዋልታ ስምረት>
>ዋልታ ኤርትራውነት>
>ዋልታ መንነት>

#ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ ንስሌኣን ንህዝብካን ዋልታ ምኻን
ዋልታ ንሃገር
ዋልታ ንህዝቢ
ዋልታ ንክብርታት
ዋልታ ንባህልታት
ዋልታ ንፌስቲቫላት
ዋልታ ንመሰላት
ዋልታ ንጥርናፌታት
ዋልታ ንመንነቱ
ዋልታ ንኤርትራውነቱ
ዋልታ ንሪሙ
ዋልታ ንመሬቱ
ዋልታ ንታሪኹ
ዋልታ ንስዉኣቱ
ዋልታ ንስንኩላቱ
ዋልታ ንመስዋእቲ
ኣብ ዩቱብ ድማ በዛ ሊንክ ተከታተሉዎ 👉👉👉
https://youtu.be/dlUewlLEQDU?si=9M1vqf9C1FK1-vUf

01/01/2025

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ዓመተ ሰላም ራህዋን ፍቕርን ጥዕናን ይግበረልና ፈጣሪ ኩሉ ኣለም። 2025ዓ:ም ንሳገር አሎና እሞ ዓመተ ሰላም ዓመተ ፍቅሪ ዓመተ ራህዋ ዓመተ እልልልልልታ ይግበረልና።
2025 ሰናይ ሓሳብና ዝሰምረሉ
ፍቕሪ ዝነግሰሉ ስሓቕ ዝበዝሓሉ
ፍቕሪ ቤትና ከማይ ዝዛርየሉ
መዝሙር ሰላም ጥራይ ዝዝመረሉ
ጥዕና ከኣ ይሃበና ዕድመን ጥዕናን ንኩቡር PIA አርካናትን
ነቲ ሰም ከየበለ ሃገር ዝሕልዉ ዘሎ አርሓ ምክልኻሉን .
ብሓፈሻ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን ልዕሊ ኩሉ
ንኤርትራን ሰናይ ኤርትራን ዝምነ ኩሉ ሰናይ ምንዮትና ንገልጸሉ
🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🙏❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤️🙏።
ደጊምና ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2025
ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ፣ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ፣ ምስ ጅግና ሓይልታት ምክልኻሉ! ዓመተ ሰላምን ራህዋን ዕብየትን ይግበረልና 🇪🇷::
Happy New Year Waltawuyan/ ዋልታዉያን . The New Year bring you more blessings in abundance of love, joy, health, peace and prosperity. God bless you all eritrean people with Erdf PIR and WALTAWUYAN SWEDEEN . 🙏❤️🌹

*ሰናይ ዓመትዓመተ ፍቕሪ ፡ሰላም ዓመተ ዓመተ ጥዕና ፡ዓመተ ኡቶተዓመተ ጸጋ፡ ዓመተ ተድላዓመተ ብልጽግና ይግበረልና         ዓመተ መስተርሆ፡ዓመተ ዕብየትዓመተ ሺሻይ ፡ ዓመተ በረከትዓመተ...
24/12/2024

*ሰናይ ዓመት
ዓመተ ፍቕሪ ፡ሰላም ዓመተ
ዓመተ ጥዕና ፡ዓመተ ኡቶተ
ዓመተ ጸጋ፡ ዓመተ ተድላ
ዓመተ ብልጽግና ይግበረልና

ዓመተ መስተርሆ፡ዓመተ ዕብየት
ዓመተ ሺሻይ ፡ ዓመተ በረከት
ዓመተ ፍስሃ ፡ዓመተ ቅሳነት
ዓመተ ስኒት ፡ዓመተ ውህደት

ዓመተ ይቕረ ፡ ዓመተ ሕድገት
ዓመተ ልዝብ ፡ ዓመተ ሓድነት
ዓመተ ሓጎስ፡ዓመተ ደስታ
ዓመተ ሰሓቕ ፡ ዓመተ ወኻዕታ

ምስ ስድራ፡እንራኸበሉ
ስደትና፡ሓጺሩ ንትሓቛቖፈሉ
ብፍቕሪ ስኒት፡ስጥምጥም ንብለሉ
ዓመተ ሰናይ ፡ይግበሮ ንኹሉ

ኣሼ 24-12-2024

ኣፍልጦ ምስክርነት ናይ ጽቡቅ ኣብነትን ዕዮ ስራሕን መርኣያ ኣብ ስንኩላና ዘሎና ሓልዮትን      ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት  ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን  ኣብ ጽንብል ንበዓሉን ...
23/12/2024

ኣፍልጦ ምስክርነት ናይ ጽቡቅ ኣብነትን ዕዮ ስራሕን መርኣያ ኣብ ስንኩላና ዘሎና ሓልዮትን
ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ኣብ ጽንብል ንበዓሉን ኣኬባታቱን እንተላይ ተሳትፎ ኣብ ምሕጋዝ ንስንኩላን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጎስጋስን ከም ንጡፍ ኣባል ኮንካ ድማ ንዝያዳ ስራሕን ንምስሳን ቁጽሪ ኣባልነትን ማዕከነ ቁጠባ ንምዕባይን ንዝተሓንጸጹ ፕሮጀክታት ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽንብላትን ኣኬባታትን ወፈያታትን ንጸጥቱኡ ንምውሓሰ ብወገኖም መንእሰያት ዋልታውያን ድማ ናይ ሕግን ስነ ስርዓትን ምስ ኩሉ ኣካላት እናተራከቡ ዋሕስ ሕዝቦምን ማሕበሮምን ብምዃን ንዘበርከትዎ ዘለዉ ዘይሕለል ጻዕሪን ከምኡዉን ኣብ ምሕያል ቁጠባዌ ደገፍን ኣብ ዓቅሚ ሰብ ኣብ ምሕያልን ኣብዘካየድዎ ንጥፈታት ናይ ክብሪ ምስክር ሰርቲፊኬት ወረቀት ካብ ሓላፊ ማ/ሓ/ስ/ኩ/ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ኣቶ ተከስተ ፍስሃየ ብስም ኩሎም ዋልታዉያን ማለት ወኪሎም ኣቶ ሄኖግ ኣለምን ኣቶ ሓድጉ ሃብቶምን ካብ ኢድ ኣቦ ወንበር ተቀቢሎም ፣
ክብሪ ንሰብ ግብሪ !!!
ስንኩላትና መስትያት ሰማዕታትና ስለዝኮኑ ኣብ ምሕብሓቦምን ምእላዮም ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ኮይኑ ቃንዝኦም ቃንዛና ስለዝኮነ ሃየ ኢደይ ኢደይ ኢልና ንሓግዞም
20/12/2024 ሪንክቢይ ሓበን ክለብ ሽወደን
ዓወተ ንሓፋሽ
ዓወት ንሓፋሽ

10/12/2024

ቃለ መሕትት ምስ ገዲም ተጋዳላይን ስነ ጥበበኛ ኣሸናፊ ኣብርሃም /ኣሼ ኣብ #ክለብ ሃዏስ CLUB HAUSE ሽወደን ዝገበሮ #ንቅሓትና ነበርክ ብዝብል ትሕዝቶ ዘተ ዕለት 22/04/ 2024 ናባኩም ነብሎ ነሙሉ ትሕዝቶ ኣብ ዩቱብ ድማ በዛ ሊንክ ተከታተሉዎ 👉👉👉
https://youtu.be/h0QtWy_81eE

16/11/2024

#ሃገረይ !!!!
ብስነ ጥበባዊ ኣወል ስዒድ
#***ምእንቲ ክብሪኪ ዓወት ዝመንጨው
ንክብሪ መንነቶም ደኪምና ዘይብሉ !!!
ምእንቲ ክብሪኪ ሕስብ እዮም ዝሓድሩ
ቀዳሞት ንምዉጻእ ሃገሮም ዘክብሩ !!!
ስምና ጸዊዖም ባንዴራ ሃገሮም እናበልበሉ
ስደት ከይዓጀቦም ንስምናን ንስም ሃገሮም ብክብሪ ዘስምዑ !
****ብትዕግስቲ ዝተጸመመ ህዝቢ ፡
እኖሆ ኣብ ቅድሚ ዓለም ደሚቑ ሎሚ ።
ውህደት መሳርዑ ብርቀት ዘበለ በቃ !!
ብዘይ ሕልክስክስ ጉቦ ንጠበቓ ፡
ኣንበልቢሉዋ ቅድስቲ ባንዴራ ፡
ንሓንኮልቲ ጌርዎም ዋርድያ ******።
ዋልታ ንሃገር
ዋልታ ንህዝቢ
ዋልታ ንክብርታት
ዋልታ ንባህልታት
ዋልታ ንፌስቲቫላት
ዋልታ ንመሰላት
ዋልታ ንጥርናፌታት
ዋልታ ንመንነቱ
ዋልታ ንኤርትራውነቱ
ዋልታ ንሪሙ
ዋልታ ንመሬቱ
ዋልታ ንታሪኹ
ዋልታ ንስዉኣቱ
ዋልታ ንስንኩላቱ
ዋልታ ንመስዋእቲ
ዋልታ ንዉሕስነት ህዝቡ ኮታ ዋልታ ንኹሉ'ዩ 4ይ ግንባር

ዋልታ ሃገራዊ መንነት !!ወትሩ ይዕወት ።==========ተበቲኹ ማሕለኻ ሽወደን ፡ገንፊሉ ድያስፖራ ኤርትራዊ ማዕበል ።ኤርትራዊ ይዕገስ እምበር ፡ንስዕረት ኢዱ ኣይህብን ዘበት !!ዕልልታ ኮይ...
27/10/2024

ዋልታ ሃገራዊ መንነት !!
ወትሩ ይዕወት ።
==========
ተበቲኹ ማሕለኻ ሽወደን ፡
ገንፊሉ ድያስፖራ ኤርትራዊ ማዕበል ።

ኤርትራዊ ይዕገስ እምበር ፡
ንስዕረት ኢዱ ኣይህብን ዘበት !!

ዕልልታ ኮይኑ ጓይላ ፡
ትሓምበለ ኮይኑ ደበላ ፡
ኩዳ ኮይኑ እሽክትሽም ፡
ወዮ ሓሳድ ኣርሚምዎ ግድስ ትም ሕትም !!

ተሳራሰሩ ደቂ ኤረይ ፡
ፍረ ጻዕርኻ'ዩ ህዝበይ ፡
ኣባይኩም ኣምሲልኩሞ ማይ ዝተሓረማ ህበይ ።

እቶም እእእእ ናይ ዓሚ ፡
ዋልታኹም ጌርኩሞም ሎሚ ፡
ጥበብኩምን ትዕግስትኹምን ፡
ፍሪኡ ከም ማይ ዮርዳኖስ ፡
እኖሆ ዝተጎድአ ልቢ እድብስ ።

ዓሚ ዝተሓንኮለ ፌስቲቫል ኤርትራ ፡
ኣብ ሸወደን ኣብታ ዓዲ ሕጊ ዝብልዋ ፡
ብትዕግስቲ ዝተጸመመ ህዝቢ ፡
እኖሆ ኣብ ቅድሚ ዓለም ደሚቑ ሎሚ ።

ውህደት መሳርዑ ብርቀት ዘበለ በቃ !!
ብዘይ ሕልክስክስ ጉቦ ንጠበቓ ፡
ኣንበልቢሉዋ ቅድስቲ ባንዴራ ፡
ንሓንኮልቲ ጌርዎም ዋርድያ ።

ኣብታ ነዋሕ መንገዲ የራኽበና ፡
ንስለ ምባል ኣይኮነን ቃልና ፡
እኖሆ ጋህዲ ኮይኑ ናይ ዓሚ ጭርሖና ።

እቲ ምትንዃል ንኤረትራዊ ፡
እቲ ምትንኻፍ ብሓዊ ንሓዊ ፡
ስምረትና ኣስጢሙ ንኡሽተይ ምስዓቢ ፡
ናህሪ ወሲኹ ማዕበሉ ከም ውቅያኖስ ባሕሪ ፡
መንዩ ደው ዘብሎ ንዝሰመረ ሓይሊ ?
ናይልቡ ፈጺሙ እንሀለ ሎሚ ።

ከዳዕ እዚዩ ኔሩ ቤትካ ።

ከምቲ ናይዓሚ ምስ ጓና ከይመኸርካ ፡
ምስሓውኻ ተኻሲስካ ከይተፈንፈንካ ፡
ወለዲ ኤህህ ኢሎም ከይረገሙኻ ፡
ኣብገዛእ ቤትካ ሓዊ ምስ ወላዕካ ፡
የሕኒኽካ ሎሚ ድነ ህበይ ተኸዲንካ ፡
ወሰን ወሰን ክተዕነኒ ሕጂዶ ይሕሸካ ?

ሕጂዶ ይሓይሽ ጎርበብ ጎርበብ ከም ለማኒ !!
ምስ ጓና መኺርካ ናብ ሓውኻ ደንጎላ ክትድርቢ ፡
ግደፍ ተባሂልካ ዓፍራ ከይትረግጽ መሲልካ እምኒ ፡
ድንን ድንን !! ሕስረትካ በል ተማሃረሉ ሎሚ ፡
መደንገጽ ከም ሰብ ግን ከብደይ በሊዕካኒ ።

ንጓና ኣሚንካ ናብ ሓውኻ ደንጎላ ምስወርወርካ ፡
ታሪኽካ ክተፍርስ ታሪኽ ኣባይና ምስ ኣዳመቕካ ፡
ኩሉ ፈንፊኑካ መንከ ክስዕበካ !!
ራኢ የብልካ ኑጹር ዕላማ ፡
መርገጺኻ ዓፍራ ጃህራ ፈኸራ ፡
ኩሉ ቃልስኻ ጥራይ ክሳራ ፡
ንቀሽን ዲያቆንን ትሃጅም ብካራ ፡
ካባኹም ድኣ እንታይ ፍትሒ ክርከብ ፡
እንትርፎ መከራ ሓጥያት መኽዘን ገበን ።

ረአዮ እቲ ጅግና ሓውኻ ግን ኣይትሰንብድ!!
ዳሱ ተኺሉ ብሓበን ብሓደ ድምጺ የንጎድጉድ ፡
ብፍቕሪ ሃገሩ ነናሻዕ ዝነድድ ፡
ንሱ ክተክል ንስኻ ክትቡንቁር ፡
ንሱ ክሃንጽ ንስኻ ክተሕንኩል ፡
ንሱ ታሪኹ ክዕቅብ ንስኻ ክትሕንክር ፡
ንሱ ክእከብ ክጥርነፍ ንስኻ ክትብትን ፡
ሓተላ ውን እኮ ኣብታሕቲዩ ዝተርፍ ፡
ሚስጢር እታ ኣብ ነዋሕ ጉዕዞስ ፡
ሕጂ ረአዮ ዝተባህለ ከምዘይተርፍ ።

ዋልታ ሃገር ዘይጭነቕ ዘይብተን ፡
መመሊሱ ዝዕንትር ህዝባዊ ማዕበል ፡
ሰብ ሓላፊዩ ታሪኹዩ ዝነብር ፡
ብዓል ቀለስቲ ኣብቲ ኩዳ ኣብቲ ስምራ ፡
ተዘከርቲ ኢኹም ንስኹም ኣውራ ።

ጠርነፍቲ ቀለስቲ ሃንደስቲ ፡
ንሰለስተ ሴፍ ዝሳዓርኩም ብዘይ መስዋእቲ ፡
ብልሕኹም ወትሩ ይዛሪ ፡
ታሪኽ ሰሪሕኩም ኢኹም ዘይበሊ ፡
ንውሉድ ወለዶ ወትሩ ተዘካሪ ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!
010/8/2024
ውዕሎ ፌስቲቫል ኤርትራ ኣብ ሽወደን !!
ተኸስተ ነጋሽ
T.N

26/10/2024

#ፍረ ጽንዓትና ብዋጋ #መስዋእትና ስንክላልና ዳግማይ ዘረጋግጽናሉ መደረክ
#ስደት ከይዶም ዘይዓጀቦም ዘይጽግሞም Sweden festival Eritrea Scandnavian 28- 07- 2024 Eggby
#ሓፋሽ #ይንቃሕ #ይወደብ #ይተዓጠቅ 4ይ ግንባር ።
https://youtu.be/JX_N3oZxuIw
ንብዓት ሓጎስ ዝነባዕኩላ ዕለት 28/07/2024
ኣደራሽ ቀጽሪ ፈስቲቫል ስካንድናቪያን
ብልክዕ ኣብ ዝክሪ ናይ ኣደራሽ ዛግር 1977-1978 ኣዘካኪሩኒ ጽሑፍኪ ዋዕሮ ኣደ ኩሉ ትብለጺኖ ንድሕሪት ተመሊሰ ምስቲ ዓወታት ዝኩሙሮ ዝነበረ ሕዝባዊ ግንባር ናብ ኣስመራ ንምሓዝ ክልተ ቃድራ ግራት ተሪፈናና ኢሉ ሓፋሽ ይንቃሕ ይወደብ ይተዓጠቅ ክዝመርን ብብዝሒ መንእሰያት ናይ እቲ ዋን ናብ መሳርዓት ገድሊ ክጽንበሩ ዝነበረ ምውፋይ ኣዘኻክሩኒ ።
እዚ ዋልታ ኢሉ ዝተላዕለ 4ይ ግንባር ድማ ትማሊ ቆልዓ ሰበይቲን ዉራያቱን ክዘርጉን ክሃርሙን ኢደይ ኣጣሚረ ኣይርእይን ኢየ ክስየፈልኩም በጃ ክኮነልኩም ኢሉ ንቅድሚት ዋልታ ኮይኑ ዝተገተረ ኣሎክልካ ሕዝበይ ቀሰን ዝብል ዉፍያት ኣባላት ዋልታ ምስ ረ ኤኩ ንብዓት ሲዒሩኒ ምቁጽ ጻሩ ሲኢ ነ ።
ክብረት ይሃበልይ ወትሩ ሃገረይን ሕዝበይን እዚ መዝሙርኪ ኩርዓት ብሉጻት ኣዴታት ዘይትሕለሊ ኣደ ኢኪ እሙ ኩርዒ ተሓበኒ እምባሕ በሊ ይብል እቲ ንኡስ ዉላድኪ ።
ሰማዕታትና ብግብሪና ይደበሱ !!!
ዓወት ንሓፋሽ !!!!
#ካብ ክብርቲ ዋዕሮ ኣዴናን ሓፍትናን ትብለጽ ፍሰሃ ሽወደን !!!!
ዋልታ>ዋልታ ሓድነት> 9,6,2,1❤
>ዋልታ>ሓድነት>
>ዋልታ ስጥመት>
>ዋልታ ስምረት>
>ዋልታ ኤርትራውነት>
>ዋልታ መንነት>

Glob Rigole 🇪🇷👏
ዋልታ ሽወደን ውፉይ ወለዶ !!!!
ናይ ሎሚ ጽሕፍተይ፡ ዋልታይ ዋልታ ኩሉ ክብርታተይ፡ ብጀካ እቲ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ መዓልታት ናጽነትን ሰላማዊ ሰልፍን በዓል ስንኩላትን፡ ለንቀነ ውን ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰኑይ፡ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ተጸሚዱ ቀንዩ፡ምርቓን ናእዳን ካብ ተሳተፍቲ፡ካብ ወለዱ ከሲቡ፡እቲ ምርቓ ኣዲኡ ትቑጸሮ፡(ኣሰይ ዞም ደቀይ፡ብርክኹም ትጽናዕ፡ኣሐቢልኩሙና ኩርዓት ሃገር፡ሰሰኑ )ክንደይ እሞ ክብሎ፡ኣብ ገጽ ገለ ኣዴታት ውን ንብዓት ሓበን ጸረር ከብላ ተዓዚበ፡ብገዛእ ዋልታይ ኣነ ንባዕለይ፡ክቆጻጸሮ ዘይክእል ጥርዚ ዝደየበ ሓበን ተሰሚዑኒ፡፡
ዋልታውያን ኣብ ሓለዋን ጸጥታን ጥራይ ኣይኮነን ተጸሚዶም ቀንዮም፡
ዋልታ ኣብ ምስራሕ ሓጹር ፈስቲቫልን ምሽላም ዳስን፡
ዋልታ ኣብ ሓለዋ፡
ዋልታ ኣብ ምሕጋዝ ዓበይትን ስንኩላትን፡
ዋልታ ኣደ ቆልዑ ሰብ ዓረብያ ምትሕብባር፡
ዋልታ ኣብ ድሕሪ ዳሳት እንዳተንቀሳቕሰ ጽሬትን ጥንቃቓ፡
ዋልታ ኣብ ምሕላውን ምእላይን ህጻናት፡
ዋልታ ኣብ ተፍትሽ ቁጽጽር፡
ዋልታ ኣብ ጽሬት ዓይኒ ምድሪ ሽቓቓት ምክትታል፡
ዋልታ ኣብ ምክትታል ትሕቲ ዕድመ መስተ ከይሕዙ፡
ኣበይ እሞ ዘይተርሐ ዋልታ፡ኣሽንኳይ ዶ ደፋእቲ ጸብሕን ሰበርቲ ፈናጅልን ዕስለ ኣጎናይ፡ጽንጽያ ከም ዘይሓልፋ ገይሮም,፡ ንፈስቲቫል ስካንዳናቪያ ጽኑዕ ደጎልን፡እሙን ዋልታን፡ሓጹር ጋባን፡ኮይኖማ ቀንዮም፡ ፡
ነቶም ምኩራትን ዘመናዊ መሳርሒታት ዝዓጠቑ ፖሊስ ሽወደን፡በቲ ሓድሕዳዊ ፍቕሩን ስጥመቱን፡ናይ ስራሕ ተወፋይነቱን፡ምክብባሩን ምጽዋሩን ኤርትራዊ ጭውነት ምሂርዎም እዩ፡፡
ኣብ ቴንዳን ሳዕርን እንዳደቀሰ፡ንሳ ውን ልቡ ከየውደቐ ቀም ዘብላ እንተዘይ ኮይና፡በቲ ኩሉ ቁሪ ኣስሓይታን ዝናብን፡ቀትሪ ከኣ ጸሓይ፡ምስ ትንፋስ ዘይህብ ጻዕቂ ስራሕ፡ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ከቢድ ሃገራዊ ስራሕ ተጸሚዱ፡ህዝቡ ዘሕብን ስራሕ ሰሪሑ,፡ ፡
ዋልታ ማለት ኣትዛረብ ኣይጀሃር ክርኤ ኣይደሊ፡እንትርፎ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ብትግሃት ምንጣፍ፡ንሱ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ፡ንስርሑ ብዓወት ዛዚሙ፡፡
እቲ ዋልታ ዝበሃል መንእሰይ፡ኣብ ውዳቤት ዝጸንሐን ዘይጸንሐን፡ብሰንኪ ምስዕራር ዕብዳን ደቂ ጎናይ፡ንህዝቢ ንቓጻ ተጻናትዮም ሓደጋ ዝወደቕዎ፡ዳሳቱን ክብርታቱን ንብረቱን ግዳይ ምስ ገበርዎ፡ብርሱን ሃገራዊ ነድሪ ገንፊሉ ቦሎኽ ዝበለ በጽሒ እዩ፡፡
ተራ ደቂ ኣንስትዮ ዋልራውያ ኳ ክገልጸን ኣይክእልን እየ፡ከም ኩሉ ኣብ ዋልታ ኣብ ሳዕስዒትን ጓይላይ ከይተራእየ ዝሓለፎ፡ንሰን ውን ድርብ ጾር እየ ተሰኪመን ሓሊፈንኦ፡ደቀንን ናብርኤን ኣብ ቅድሚ ክብሪ ህዝበን ቦታ የብሉን፡ኣይተቖነና መጸብበቒ ኣይገበራ፡ኣብ ዛሕሊ ካርቶን ተነጺፈን፡የዒንተን ሰለም ከየበላ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን፡ኣብ ምዕንጋል ዋልታውያን ድርብ ዕማም ዝዓመማ ተውላውያን እየ ዋልታውያን፡ጽኑዓት ጸዋራት ርህሩሃት፡ከምተን ዕጡቓት ኣዴታትና ስረ ዘዕጥቓ፡ዋልታውያን ዋዕሮታት ውን፡ስረ የዕጢቐናና ዓንጊለና ኣጥሊለንና ከኣ፡፡
ብሓፈሻ ዋልታ እቲ ውፉይ ዓይኒ ንስሪ ዘይግበዝ ትጉህ፡ኮታ መግለጺ ኣይረኽበሉን እየ፡፡ዓለም ብዓለሙ ዝተዓዘቦ ስለ ዝኾነ፡ባዕልኹም ቃላት ድለይሎም፡ግብራዊ ስርሖም ኣፍ ኣውጺኡ እዩ ዝዛረብ እምበር ዋልታውያን ደኣ ወይ ብጩቕ፡ናይ መን ከ ደኣ ክወስዱ፡፡
ዓወት ንሓፋሽ
ኣሸናፊ ኣብርሃም /ኣሼ
30/7/2024
ተዓወት ተጋዳላይ ኣሼ #ዋልታዊ ከም ወትሩ ጽቡቕ ስራሕ
ጽቡቕ ጌርካ ኣጉሊሕካን ኣብሊጽካን ሞያታት #ዋልታውያን ወዶም ጓሎም ኣዴታት #ዋልታውያን ንኹሉ ክርደኦ ከም ዝኽእል ጌርካ ኣብሪህካዮ ኣለኻ ቃላት ውን ዝውሰኾ የለን 4ተ ነጥቢ ኣኸለ ብዘይ ርእይቶ ሕቶ ክብረት ይሃብካ ክንዲ ኩልና ኴንካ ዝግበኦም ሂብካዮም የቐንየልና።
ዋልታውያን ጀጋኑ ደቂ ሻዕብያ ኮሪዕና ተሓቢና ኣብ ሓምላይ ቀጽርና ቁሸት ደቂ ሓደ ልቢ ተሓምበለ እንዳ በሉ ንቐጽርታትና ክዘሩዎ ክዘሉን ከለዉ ንብዓት ሓበን'ን ኩርዓት'ን ነቢዕና ብዘይ ቀለዓለም።
በስ ቀሲና ብግብሪ ከም ዘውረስና ሎሚ ኣመስኪርና ኢና ተመስገን ።
ህዝበይ ብዘይ ስክፍታ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ናጽነት ተሰሚዑዎ ብፍሽኽታን ብእልልታን ብጨብጨባን ብጭደራን ክሰራሰርን
ክዕንድርን ክትርእዮ ከለኻ ደቅታውትና ደቂ ደቅና ቲቮሊ ናይ ቆልዑት ክጻወቱ ብተኽለ ክላውን መደባት ህጻውንቲ ተሰሪዑሎም ኣዝዮም ብታሕጓስ እንጆይ ጌሮሞ ንኹሉ ክትርእዮም ከለኻ ንልብኻ ባህታን ሓጎስን ዝመልእ እዩ ኔሩ።
ነዚ ክኸውን ክውን ዝገበሩ ሳላ #ዋልታውያን ጸጥታና ምስ #ፖሊስ ሽወደን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ዝሓለዉና ጸጥታና ተዋሒሱ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም።
ድማ ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮም ብዘይ ቀለዓለም ።
እቶም ንዓና ክብሉ ሂወቶም ዝኸፈሉ ስዉኣትናን ፍርቂ ኣካሎም ዝኸፈሉ ስንኩላትናን እዚ'ዩ ሕድሮምን፣ ደበሶምን፣ዝኽሮምን፣ ዓስቦምን፣ ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ የለን ተመስገን ፈጣሪ ኣቦና።
ዘገርም'ዩ እዚ #ዋልታ ሓድነትን ናይ 70ዓታት ውዳቤታት ኣዘኻኺሩኒ ከምቲ ኩልና ሓፋሽ ውድባትና ተጋደልትና ንዝክሮ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ 1977 ሓፋሽ፣ ይወደብ፣ ይንቃሕ፣ ይተዓጠቕ፣ ይማሃር፣ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰሪዑ
በቶም ኣዝዮም ብሉጻት ካድራትን ጀማሂራትን ክፍሊ ህዝብን ን9ተ ብሄራትና ኣስላምና ክርስትያና
ከም ማይን ጸባን ኣዋሃሂዱ ወዲቡን ኣንቂሑን ኣዕጥጢቑን ምሂሩን ዝጠርነፈና ሽዑ ኢና ብደም ሰማእትና ዝማሓልና ነቕ ዘይብል ጽኑዕ መትከል ውድብ ህዝባዊ-ግንባር ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተነድለን ዝተነድቀን
ህዝባዊ ግንባር ረቂቕ መንፈስ'ዩ ከቢሩ ይንበር።
ሕጂ ውን #ዋልታ ስዊድን ድምር እኩብ ናቱ ውጺኢት እዩ! ኣብ 4ይ ግንባር ዳግም ሃገራዊ ውዳቤታት ዋልታ ሃገር ዝኸይድ ዘሎ ቅድሚ ኹሉ ሃገር ትሃሉ ።
ብዘይ ሃገር ኩሉ ብላሽ'ዩ ክብረት የለ መንነት ፣ ብጣዕሚ ተሓቢና ኮሪዕና ሳላ ውሕሉል ጽኑዕ ውዳቤ ዋልታውያን ብዘይ ምትኻስ ለይትን ቀትርን ኣብ ሓለዋ ንህዝቦም ምውሓስ ዝሰርሑዎ ስራሕ መዳርግቲ ኣልቦ ፌስቲቫላትና ብድሙቕን ብዉዕዉዕ እልልታን ፊስካን ብሰላምን ርግኣትን ብዘገርም ዓወት
ተዛዚሙ የቐንየልና።
ተባረኹ ኩልኹም ዋልታውያን
ኣጆኹም ኣጆና በርቲዕኩም ስርሑ ግርማ ሃገርኩምን ዋሕስ ህዝብኹምን ኣለና ክሳብ ፍጹም ዓወትናዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም።
ዋልታ ንሃገር
ዋልታ ንህዝቢ
ዋልታ ንክብርታት
ዋልታ ንባህልታት
ዋልታ ንፌስቲቫላት
ዋልታ ንመሰላት
ዋልታ ንጥርናፌታት
ዋልታ ንመንነቱ
ዋልታ ንኤርትራውነቱ
ዋልታ ንሪሙ
ዋልታ ንመሬቱ
ዋልታ ንታሪኹ
ዋልታ ንስዉኣቱ
ዋልታ ንስንኩላቱ
ዋልታ ንመስዋእቲ
ዋልታ ንዉሕስነት ህዝቡ ኮታ ዋልታ ንኹሉ'ዩ
ናይ ሻዕብያ ንቕሓትን ድስፕሊን ሕላገት ለቢሱ ትሕቲ መሬት ዘእተዎም ንጸላእቱ ቪቫ #ዋልታውያን ምስ ኩለን #ውዳቤታትን

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!
ንዋልታ ገሊጽካ
ኣይውዳእን እዩ
ቃላት ውን ይሓጽረካ
ከም ኣቦታቱን ኣዴታቱን ሰራሕ ቅያ ብቓልን ብግብርን ዝኣምን ብተግባር ኣርእዮምና
እዚ ንኽኸውን ካብ ነዊሕ ግዜ ብጽሞና ብሃንቀውታ ክንጽበዮን ክንሃርፎን ዝጸናሕና ውዳቤታት ኢዩ ራኢናን ሕልምታትናን ግሁድ ኮይኑ እዚ ውዳቤታት እዚ ብኤርትራዊ ዜጋ ዝውነን ኮይኑ ኣብ መላእ ዓለም ክቕጽልን ክሰፍሕን ክዓብን ጥራይ'ዩ ዘለዎ።
ብጻይ ኣሼ እዚ በዛ ገሊጽካልና ዘለኻ ጽሕፍቲ ዘይኣምነሉ ዘይተዋሕጠሉ ዒም-ምኒን ዝበል እንተ ኣሎ ምልክት ሕቶ ኣቐሚጥካ መን
ምዃኑ ምልላዩ ጥራይ 4ተ ነጥቢ ብሃገር ጸወታ የለን ኣኸለ ብዘይ ርእይቶ ሕቶ ዓወት ንሓፋሽ!!!
ዋልታ ስዊድን ኣብ ጎኖ መንግስቱን ሰራዊቱን ህዝቡን ውዳቤታቱን ማሕበረ ኮማቱን ደው ዝበለ ንዘንት-እለት ከቢሩ ይንበር ዓወት ንሓፋሽ
ስዉኣትና ብመብጸዓና !!!
ይደበሱን ይዘከሩን !!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!
ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚኣ ሊንክ ጠውቁ 👉👉 click Link 👉👉
https://www.facebook.com/share/v/ZuzF8jDJAtaUVWL5/
ሰማዕታትና ብግብሪና ይደበሱ !!!
#ፈስቲቫል ሽወደን 2024

ፈስቲቫል ኤርትራዉያን ሽወደን 2024
#ስደት ከይዶም ዘይዓጅቦም ደቅኪ ኣለዉ ንስምኪ ዘበርኩ
Sweden festival Scandnavian 291 28- 07- 2024
Sweden 2024
ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚኣ ሊንክ ጠውቁ 👉👉 click Link 👉👉 https://youtu.be/usk2x1PQnkA

26/10/2024

#ወርቃዊ ቃለ መሕትት ምስ ነጋደያን ፈስቲፋል ሽወደን ኣቶ ሄኖግ ጎይትኦም / Henog Goytom ካብ London
ፈስቲቫል ኤርትራዉያን ሽወደን 2024
#ምእንቲ ክብሪኪ ዓወት ዝመንጨው
ንክብሪ መንነቶም ደኪምና ዘይብሉ !!!
ምእንቲ ክብሪኪ ሕስብ እዮም ዝሓድሩ
ቀዳሞት ንምዉጻእ ሃገሮም ዘክብሩ !!!
ስምና ጸዊዖም ባንዴራ ሃገሮም እናበልበሉ
ስደት ከይዓጀቦም ንስምናን ንስም ሃገሮም ብክብሪ ዘስምዑ !
#ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ ንስሌኣን ንህዝብካን ዋልታ ምኻን
Sweden 291 ወርቃዊ ቃላት ብኣባላት ዋልታ ሽወደን
Festival Eritrean Scandinavian
Sweden festival Scandnavian 28- 07- 2024

ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚኣ ሊንክ ጠውቁ 👉👉 click Link 👉👉
https://youtu.be/3q9nI0nNFT4

26/10/2024

#ወርቃዊ ቃለ መሕትት ምስ ነጋድያን ፈስቲቫል ሽወደን መንእሰይ ሳምያ /Samiya ካብ ሰሎንቱና ስቶኮሎም Sellontuna
ፈስቲቫል ኤርትራዉያን ሽወደን 2024
#ምእንቲ ክብሪኪ ዓወት ዝመንጨው
ንክብሪ መንነቶም ደኪምና ዘይብሉ !!!
ምእንቲ ክብሪኪ ሕስብ እዮም ዝሓድሩ
ቀዳሞት ንምዉጻእ ሃገሮም ዘክብሩ !!!
ስምና ጸዊዖም ባንዴራ ሃገሮም እናበልበሉ
ስደት ከይዓጀቦም ንስምናን ንስም ሃገሮም ብክብሪ ዘስምዑ !
#ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ ንስሌኣን ንህዝብካን ዋልታ ምኻን
Sweden 291 ወርቃዊ ቃላት ብኣባላት ዋልታ ሽወደን
Festival Eritrean Scandinavian
Sweden festival Scandnavian 28- 07- 2024

ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚኣ ሊንክ ጠውቁ 👉👉 click Link 👉👉
https://youtu.be/QBf9bDhdMnk

Adress

Gävle

Telefon

+46738955798

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Walta Hagerna Sweden #291 postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Affären

Skicka ett meddelande till Walta Hagerna Sweden #291:

Dela