15/12/2021
''ሰላም ተኸታተልቲ ዓምዲ ስፓርት ታሪኽ ገዳይም ተጻወቲ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ''።
ናይ ሎሚ ቅድሚ ናብ ካልኣይ ክፋል ሕታም መጽሔት ነ/ፍ ሰር ቀለታ ኣስፍሃ'' ምስጋርና: ነዛ መጽሔት ብ ሰነ 2006 ዓመተ/ምህረት ናብ ሕታም ንኽትበቅዕ ላዕልን ታሕትን ብምባል: ብሞያ ይኹን ብገንዘባዊ ሓገዝ ንዝጽዓሩ ስድራቤት ስፓርትን: ስድራቤት ነ/ፍ ሰር ቀለታ ኣስፍሃን: ሰብ ሞያ ጋዜጠኛ ኢሰያስ ፍስሃየ ምስ ተሓጋገዝቱን መሳርሕቱን : ከምኡ'ዉን ኩሎም ገዳይም ተጻወቲ ጋንታ ኤልፓን: ብፍላይ ዉን ነዛ መጽሓፍ ሓሳብ ኣበጊሱ ክሳብ ምሕታም ዘብቅዓ ለጀንድ ተጻዋታይ ጋንታ ኤልፓ ነበር ኣቶ ተፈራ ገብረክርስቶስ ብልቢ ምስጋና ይብጽሓዬም።
ንቀጻሊ ዉን ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ተገይሩ : ታሪኽ ስፓርት ሃገርናን: ታሪኽ ስፓርታዉያን ሃገርና ብመልክዕ መጽሔት ይኹን: ብመልክዕ መጽሓፍ ክጽሓፍ ትጽቢት ናይ ኩሉ ኣፍቃርን:ስድራቤት ስፓርትን ትምኒትና ኢዪ።
ካልኣይ ክፋል '' ሰር ቀለታ ኣስፍሃ''
👉ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምዕራብ ጀርመን
1974ን: ርክብ ምስ ንጉስ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ፔለንን
ከመይ ከም ዝነበረ ምስክርነቱ ብስእሊ ተሰንዲ ኣሎ።
- ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ምስ ጋንታ ሓማሴን እንከለዉ: ብ1974 ኣብ ምዕራብ ጀርመን ንዝተኣንገደ ዋንጫ ዓለም ብኣካል ክከታተልዎ ዕድል ረኺቦም ነይሮም ኢዪም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ብራዚላዊ ንጉስ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ዝኾነ ፔለ ረኺቦም ክታሙ ከትርፋን : መዘከርታ ስእሊ ክወስዱን ከኣ ተዓዲሎም። ነዚ ብዝምልከት ድማ ሰር ቀለታ አስፍሃ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ስፓርት ሰፊሕ ዕላል ኣካይዶም ነይሮም ኢዬም።
ትሕዝትኡ ዉን ነዚ ይመስል ነይሩ :
ኣቶ ፍስሃየ ሓረጎት(ወዶም ንደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ) ፕረዝደንት ክለብ ሓማሴን ኣብ ዝነበርሉ ግዜ'ዩ ነይሩ። ጋንታ ሓማሴን: ንጊዬርጊስ ንምግጣም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልምምድ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት ግዜ : ኣቦይ ቀለታ መእተዊ ትኬት ናይቲ ብራዚል ምስ ኢጣልያ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም: ካብ ጁባ ኣቶ ፍስሃየ ሓረጎት ወዲቁ ረኸቡ። 'ኣንታ ኣምላኽ: ንብራዚል ወይ'ዉን ንፔለ ከየርኣኻንስ ኣይትወስደኒን ግዲ ትኸዉን'' ብምባል ነታ ወዲቃ ዝረኸብዋ ትኬት ከምዝመለሱሎም ጠቀሱ። በቲ ዘረባ ዝተሰምዖ ኣቶ ፍስሃየ ሓረጎት: ንጊዬርጊስ ሲዒርና እንተሓሊፍና ንዋንጫ ዓለም 1974(ጀርመን) መኸዲኻን መምለሲኻን ኪሽፍነልካ'የ ክብል ንኣቦይ ቀለታ ኣስፍሃ ተመባጻዓሎም። ነዚ ዝሰምዑ ተጻወቲ ጋንታ ሓማሴን ድማ ንኣቦይ ቀለታ ኣስፍሃ ንምሕጓስ ክንማወት ኢና ኢሎም ናብ ሜዳ ኣተዉ'ሞ ከም ትምኒቶም ኮይኑ ተዓወቱ። ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ : ፕረዝደንት ክለብ ሓማሴን ኣቶ ፍስሃየ ሓረጎት መብጽዖኦም ብምኽባር : ናይ መኸድን መምለስን ወጻኢታት ዝሸፈነ ናይ ኣየር ትኬት ካብ ኣዲስ ኣበባ ልኣኸሎም። ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ነቲ ትኬት'ኳ እንተረኸቡ: ኣብ ጀርመን ንክልተ ወርሒ ከንቀሳቅሶም ዝኽእል ገንዘብ ብዘይ ምንባሮም: እታ ትኬት ንሓደ ብሉጽ ተጻዋታይ ጋንታ ሓማሴን ዝብልዎ ክህብዎ ወሰኑ። ቅድሚ ኣቶ ፍስሃየ: ፕረዝደንት ክለብ ሓማሴን ዝነበሩ : ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ገብረኪዳን ንሽግር ኣቦይ ቀለታ ተረዲኦም: ኩሉ ወጻኢታትኩም ባዕለይ ክሽፍኖ'የ ስለ ዝበልዎም ተታሓሒዞም ዋንጫ ዓለም 1974 ብኣካል ንምርኣይ ናብ ጀርመን ኣምርሑ።
ኣብቲ ጉዑዞ ድማ: ኣብ ጥልያን transit ነፋሪት ክቅይሩ ምስ ኣዕረፋ : ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ኣሕመድ ዓብደላ(ወዲ ዓብደላ) ተራኸቡ። ወዲ ዓብደላ ሓያል ተጻዋታይ ናይ ክለብ ኣከለጉዛይ ዝነበረ ኢዪ። ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ድማ ኮኮብ ተጻዋታይ ኢትዬጵያ ብምስማዪ:ፈደረሽን ኩዑሶ እግሪ ኢትዬጵያ : ከም
ህያብ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ:ግጥም ዋንጫ ዓለም 1974 ክዕዘብ ወጻኢታት ሸፈንሉ።
በዚ ከኣ ኣቦይ ቀለታ:ወዲ ዓብደላ:ኣቶ ገብረእዚጋብሄር ገብረኪዳን: ተተሓሒዞም ናብ ፍራንክፈርት ኣተዉ። ዘዝተመደበልና ሆቴል ምስ ሓዝና ድማ በዚ መጽዩ ከይተባህለ ተጻዋታይ ጋንታ ሓማሴን ዝነበረ ተስፋጊዬርጊስ (ቆቃሕ) ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ተጸንበረና።
ካብ ኣቦና ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ጀሚርካ: እቶም ኣብኡ ዝተኣኻኸቡ ገዳይም ተጻወቲ ደገፍቲ ብራዚል ዝነበሩ ኢዪም። ወዲ ዓብደላ ቀዳመይቲ ጸወታ ብራዚል ከይርኣያ ስለዘምለጠቶ: ኣብታ ትቅጽል ግጥሞም ብኣካል ንምስታፍ : ካብ ፍራንክፈርት(Frankfurt):ንሙኒኽ(Munich) ክኸይድ ከምዘለዎ ንብጾቱ ሓበሮም: ኣቦና ሰር ቀለታን:ቆቋሕን ድማ ንወዲ ዓብደላ ክሳብ መዕርፎ ነፈርቲ ንኸሰንይዎ: ብጫ ናይ ብራዚል ቆቡዕ ወዲዬም ነቀሉ። ብዛዕባ'ታ ዝፈትዉዋ ጋንታ ብራዚል እናዋግዑ ናብ መዕርፎ ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ: ኣቦና ሰር ቀለታ ከም ኣጋጣሚ ንፔለ ርኣይዎ ;''ፔለ ብብዙሓት ዓጀብቲ ተኸቢቡ ክኸይድ ምስ ረኣኽዎ: ብስንባደ .........
''እዉይ ፔለ እንሀለ'' ብምባል ብጉያ ናብኡ ኣምርሑ።
ኣቦና ሰር ቀለታ ''ጭራም ወረቀትን:ፒሮን ሒዞም ክታሙ ከንብረሎም ዝሓቱ ግን ከኣ ብዓጀብቲ ፔለ ዝኽልከሉ ዝነበሩ ሰባት ብዙሓት ምንባሮም ይገልጹ።
'' ንሕና ጸለምቲ ምስ ምዃናን: ቆቢዕ ናይ ቢራዚል ወዲና ምንባርናን : ነቶም ዓጀብቱ ኣደናጊርናዬም ክብሉ ኣቦይ ቀለታ ገለጹ።
ፔለ : ባሕቲ ሓምለ 1974 ንወዲ ዓብደላ ካብቶም ካልኦት ፈልዪ ሰላም በሎ። ክታሙ ከኣ ኣንበረሉ።
ፔለ: ' ካበይ ዓዲ መጺእካ' ክብል ሓተቶ።
'ኣስመራ-ኤርትራ' ክብል ወዲ ዓብደላ መለሰሉ።
ፔለ ግን ቀልጢፋ ክርድኦ ኣይከኣለን። ድሕሪ ሒደት ዝርርብ
'' ሓደ እዋን ኣብ ምስሪ መጺና ምስተጋጠምና: ናብ ዓድኹም ኢትዬጵያ ክንጻወት ጻዉዒት መጺኢልና ነይሩ።''ኣይቀንዐን ግን''
እናበለ ፔለ ንወዲ ዓብደላ ከምዝተዛራረቦ ''ኣቦና ሰር ቀለታ'' ይዝክሩ። ''ኣቦና ሰር ቀለታ ኣስፍሃ'' ኣብቲ ኣጋጣሚ ንፔለ ሓቁፎሞ ብምስኣሎም ትምኒቶም ሰመረ።
'' ሽዑ መድሃኒ-ኣለም ዝወረደ ኮይኑ ተሰሚዑኒ'' ክብሉ ድማ ነቲ ፍጻሜ ገሊጾሞ።
ፔለ: ሓደ ዓመት ቅድሚ'ቲ ርክቦም ካብ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ብወግዒ ተፋንዩ ብምንባሩ: ኣብቲ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንፈለማ ግዜ ካብ ተጻዋታይ ናብ ተዓዛባይ ተሳጋጊርሉ ዝነበረ ግዜ ምንባሩ ብምኻኑ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ።
👉እቲ ን120 ደቃይቅ ምስ 12 ሓደሽቲ መስፈይቲ እግሪ ..
ቃል ኣቦና ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ንኸይዕብር ታሪኽ ዝወረቀ
ዬዉሃንስ ተወልደብርሃን (ሻገ)ፍጻሜ ናይታ መዓልቲ?
-ሻገ ቁጽሪ 3 ማልያ ወድዩ ናይ ጸጋም ናይ ክንፊ ተኻላኻላይ ጋንታ ኤሌክትሪክ (ቀይሕ ባሕሪ) ብምኻን ካብ 1981 ጀሚሩ ምስታ ጋንታ ተሰሊፋ ዝጻወት ዝነበረ ኢዪ። ሰንበት መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደት ቀዳመይቲ ግጥም ኣንጻር ምድር ጦር : ሻገ ኣብ ቀዳሞት መኽፈቲ ደቃይቅ'ዩ ተሰይሩ። ጋንታ ኤሌክትሪክ ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ሓኪም ስለዘይነበራ: ጥላሁን ዝተባህለ ናይ ምድር ጦር ሓኪም ዝነበረ ረኣዬ። ''ማህረምትኻ ከጻዉተካ ኣይክእልን'ዪ'' ክብል ድማ ሓበሮ። ሽዑ ግን ናይ ኣንጻር :''ንደቂ ጋንታይ ገዲፈዬም እንተምትኩ ኣይክወጽእን'የ ብምባል ሻገ ክሳብ ጸወታ 0-0 ብዝኾነ ዉጺኢት ዝዉዳእ ቃንዝኡ ተጻዊሩ ተጻወተ።
ዬዉሃንስ (ሻገ) ድሕሪ ግጥም ንምሸቱ ሕክምና ምስ ከደ: ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ጸወታ ዝኣልዬ ከቢድ ማህሰይቲ ምኻኑ ኣረድእዎ። ዓሰርተክልተ (12) ግዜ ድማ ኣብ ጸጋማይ እግሩ ሰፍዬሞ። ናቱ በሰላ ድማ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ እግሩ ይርአ። ንጽባሒቱ ሰኑይ ምርኩስ ሒዙ'ዩ ክንቀሳቀስ ዝተገደደ። ንሰሉስ ግን ምርኩስ ደርብዩ ቁሩብ ተንቀሳቂስላ።
ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ'ሞ ካልእ ሰብ ኮይኑ'ዩ ቀሪቡ። እቶም ሓኻይም ዝበሉዎ ገዲፋ: ምስ 12 መስፈይቱ ን120 ደቂቅ ዝኣክል ናይ ሞትን ሕየትን ግጥም ኣከዪዱ። ብሓጺሩ ኣብቲ ታሪኻዊ ርክብ ደምነት ሒዙዎ ተሰሊፋ።
ሻገ ኣብቲ ካልኣይ ናይ ሰሉስ ምሸት ግጥም ኣንጻር ምድር ጦር (ዋልያ) ክጻወት ዝተገደደሉ ምኽንያት ብጸቅጢ ኣቦና ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ብምኻኑ ቃሎም ንኸይዕብር ናብቲ ግጥም ንኸምርሕ ተዳለወ። ኣቦና ሰር ቀለታ ኣስፍሃ ድማ ኩነታቱ ምስ ረኣዪ:''ዋላ ኣብ ቦታኻ ጥራይ ጠጠዉ በል:ተጻወቲ ምድር-ጦር (ዋልያ) ስለ ዝፈርሑኻ ኣይክደፍሩኻን ኢዪም ብምባል ምኽሪ ለገስሉ።
ሻገ ''ኣብ ግዜ ጸወታ ኩሉ'ቲ ዝተሰፈኹዎ ተበታቲኹ። ክወጽእ እንተበልኩ ድማ : ዘይከዉን ነገር ምኻኑ ምስተሓበረኒ ስነይ ነኺሰ ሓያል ቃልሲ ኣካይደ። ናይቲ ግጥም በሰላ : ክሳብ ሎሚ ኣብ ጸጋማይ እግረይ ምልክት ገዲፋ ኣሎ። (ስርኡ ሰብሲቡ የርኢ) ክብል እቲ ተኸላኻላይ ነቲ ታሪኻዊ ግጥም ይዝክሮ። እዚ ኣቀዲሙ ከም ዝተጠቅሰ ታሪኽ 1982 ኢዪ።
'ታሪኽ ስፓርት ሃገርና ብግቡእ ንበርብር ዳግማይ ንኸይቅበር'
እምበኣርከስ ዝመጽእ ክፋል ሒዘልኩም ክሳብ ዝምለስ ሰሰናዩ።
መጽሔት ኤልፓ ሰነ 2007 ።
ኣቅራቢ ጋዜጠኛ ኢሰያስ ፍስሃየ ምስ ተሓጋገዝቱ
ኣቤል ንጉሰ (ዱንጋ)
15/12/2021