Mekelle 70 Enderat football club

Mekelle 70 Enderat football club Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Mekelle 70 Enderat football club, Sports Team, mekelle, Mekelle.

𝐍𝐞𝐱𝐭 𝐬𝐭𝐨𝐩:  African Handball Championship! 🏆🌍 🤾‍♂️𝟏𝟓 games, 𝟏𝟓 wins, 𝟎 losses 🖐✌
30/08/2026

𝐍𝐞𝐱𝐭 𝐬𝐭𝐨𝐩: African Handball Championship! 🏆🌍 🤾‍♂️

𝟏𝟓 games, 𝟏𝟓 wins, 𝟎 losses 🖐✌

26/08/2026

Champions are back 🏆🔴⚪️

ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ልመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ልመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢይ ሙሓመድ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክትብል ትፈቱ።
25/08/2026

ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ልመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ልመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢይ ሙሓመድ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክትብል ትፈቱ።

ተቀዳዳሚ ጋንታና ሃይላይ ኣረጋዊ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ ሎማዓንቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ክረምታዊ ቻምፕዮን ብሽክሌታ ትግራይ ተቐዳዳሚ ጋንታና ሃይላይ ኣረጋዊ ሳልሳይ ...
16/08/2026

ተቀዳዳሚ ጋንታና ሃይላይ ኣረጋዊ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ

ሎማዓንቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ክረምታዊ ቻምፕዮን ብሽክሌታ ትግራይ ተቐዳዳሚ ጋንታና ሃይላይ ኣረጋዊ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

80 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ እቲ ውድድር ኣቤል በላይ ካብ ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ፤ ኣማንኤል ብርሃነ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ተዓዋቲ ዝነበረ ተቀዳዳሚ ጋንታና ሃይላይ ኣረጋዊ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኣብ ዝተሳለጠ ቅፅበታዊ ውድድር ድማ ተቐዳዳሚ ጋንታና ፀጋይ ዮሃንስ ሳልሳይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ።

ናይ 70 ዓመት ምስረታ በዓልኩም ኣብ ምኽባር እትርከቡ መላእ ደገፍቲ ፣ ኣመራርሓ ከምኡ ድማ ኣባላት ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት እንኳዕ ላብዚ ክብረ በዓል ኣብፀሐኩም። ስፖርት ክለብ ...
07/08/2026

ናይ 70 ዓመት ምስረታ በዓልኩም ኣብ ምኽባር እትርከቡ መላእ ደገፍቲ ፣ ኣመራርሓ ከምኡ ድማ ኣባላት ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት እንኳዕ ላብዚ ክብረ በዓል ኣብፀሐኩም። ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብሽም መላእ ደገፍታይ ኣመራርሓይ እንኳዕ ላብዚ ኣብቀዐኩም ክትብል ትፈቱ።

ኣመራርሓ ቦርድ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ዓመት ገምጊሙ፣ ትልሚን በጀትን 2019 ዓ.ም ኣፅዲቑ ኣመራርሓ ቦርድ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ትማሊ ድሕሪ...
02/08/2026

ኣመራርሓ ቦርድ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ዓመት ገምጊሙ፣ ትልሚን በጀትን 2019 ዓ.ም ኣፅዲቑ

ኣመራርሓ ቦርድ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ለካየዶ ኣኼባ ኣብዞም ቀንዲ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተፈፀሙ መደባት ብዕምቆት ብምግምጋም ትልሚ 2019 በጀት ዓመት እውን ኣፅዲቑ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽዱሽቲን ጋንታታና ንክፍፀሙ ብዛዕባ ዝተተሓዙ ሽቶታትን ዝነበረ ኣፈፃፅማም ብዕምቆት ዝተገምገሙ ኾይኖም ኣብዚ መድረኽ ድማ ዝነበሩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ሕድ ሕድ ብዝርዝር ተመዚኖም እዮም።

ብፍላይ ድማ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ንከተማናን ንደገፍትናን ዘይምጥን ውፅኢት ንምንታይ ከም ዝተመዝገበ ብዝርዝር ተገምጊሙ እዩ። ኣብዚ ድማ ኣዝዩ ልዑል ግደን ኣስተዋፅኦን ምምሕዳር ከተማና መቐለ ብምጥቃስ ከምኡ ድማ ኮቺንግ ስታፍ ፣ ኣመራርሓ ቦርድ ኣባላትን ቤት ፅሕፈት ክለብን ብዕምቆት ተገምጊሞም እዮም። ብፍላይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንክለቡ ዘለዎ ተገዳስነት ብተግባር ዘርኣየሉ፣ ካልኦት መደባት እናዓፀፈ ስሩዕ ድጎማ በጀት ብምምዳብ ዘበርከቶ ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ከም ዝግብኦ ቦርድ ጋንታና ገምጊሙ እዩ።

ብተወሳኺ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ ብዘይ ምንም ስዕረት ኣብ ታሪኽ ፕሪምየር ሊግ ኩዕሾ ኢድ ኢትዮጵያ ሓድሽ ሪከርድ ብምምዝጋብ ዝተረኸበ ዓወት ፤ ኣብ ጋንታታት ብሽክሌታ ዝተመዝገቡ ክልላውን ሃገራውን ዓወታት ከምኡ እውን ተተካእቲ ንምፍራይ ዓሊማ ዝተጣየሸትን ብኣግኡ ብርክት ዝበሉ ተስፋ ዘለዎም ተጫወቲ ዘፍረየትን ጋንታ ተተካእቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ (B) ብርቱዕ ንሕንሕ ኣብ ዝተገበረሉ 'ፅዋዕ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ' ቻምፕዮን ብምዃና ዝተረኸቡ ዓወታት ክዕቀቡን ክቕፅሉን ከም ዝግባእ ኣረጋጊፁ እዩ።

ድሕሪ ሰፊሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ 2018 በጀት ዓመት ኣመራርሓ ቦርድ ጋንታና ኣብ 2019 በጀት ዓመት ኣብ ሽዱሽኢን ጋንታታት ንዝፍፀሙ ቁልፊ መደባትን ኣንፈት ኣፈፃፅማኦምን መፈፀሚ በጀቶምን ብዝርዝር ገምጊሙ ኣፅዲቑ ኣሎ። ብፍላይ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ ቀልጢፋ ካብ ላዕለዋይ ሊግ ናብ ፕሪምየር ሊግ ንኽትምለስ ዘኽእል ዝተዳለወ ትልሚ ድሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ምይይጥ ብምፅዳቕ ብተወሳኺ ድማ ን2019 ውድድር ዓመት ንሽዱሽቲአን ጋንታታት ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ዝውዕል ዓመታዊ መፈፀሚ በጀት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ። እዚ ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብዝርከብ ድጎማን ከምኡ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ስፖርታውን ዘይስፖርታውን ንግድታት ዝርከብ ይኸውን። ኣመራርሓ ቦርድ ጋንታና እዞም ዝተጠቐሱ ውሳነታት ድሕሪ ምውሳኑ ድማ ኣኼብኡ ብዕዉት መንገዲ
ዛዚሙ ኣሎ።

ፃውዒት ምትካል ፈልሲ ጋንታና ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት እጃማ ንምብርካት ተኸላ ፈልሲ ኣዳልያ ኣላ። መላእ ደገፍቲ ፣ ተጫወቲ ፣ ኣመራርሓን ጋንተና ከምኡ ድማ ...
30/07/2026

ፃውዒት ምትካል ፈልሲ

ጋንታና ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት እጃማ ንምብርካት ተኸላ ፈልሲ ኣዳልያ ኣላ። መላእ ደገፍቲ ፣ ተጫወቲ ፣ ኣመራርሓን ጋንተና ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ስፖርት ከተማና መቐለ ቀዳም ሰዓት 12:00 ንጉሆ ኣብ መወዳእታ ቀልቀል ደብሪ መንገዲ 70 ካሬ ተረኺብኩም ፈልሲ ክትተኽሉ ብሽም ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ፃውዒትና ነቕርብ።

መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም መላእ ኣባላት ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ናብ ቀዳማይ ሊግ ብምድያብኩም እንኳዕ ደስ በለኩም። ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብሽም ደገፍትናን መላእ ኣመራርሓ...
27/07/2026

መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም

መላእ ኣባላት ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ናብ ቀዳማይ ሊግ ብምድያብኩም እንኳዕ ደስ በለኩም። ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብሽም ደገፍትናን መላእ ኣመራርሓ ጋንታናን እንኳዕ ናብዚ ዓወት እዚ ኣብቀዐኩም ክንብል ንፈቱ።

ተቐዳዳሚ ጋንታና ኣሮን ታደሰ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ሎማዓንቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ቅድመ መረፃ ( Long list ) ሻምፒዮና ብሽክሌታ ዓለም 2026 ብዘርፊ ትሕቲ 23 ዓመት ተኻቲቱ። ...
19/07/2026

ተቐዳዳሚ ጋንታና ኣሮን ታደሰ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ሎማዓንቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ቅድመ መረፃ ( Long list ) ሻምፒዮና ብሽክሌታ ዓለም 2026 ብዘርፊ ትሕቲ 23 ዓመት ተኻቲቱ።

ኣዮኻ ናይና !

ጎባልል ጋንታታት ኣፍሪካ ልሳተፋሉ ቻምፕዮና ኩዕሾ ኢድ ኣፍሪካ ካብ መስከረም 28 ክሳብ ጥቅምቲ 8 ብኣዳላውነት ኣንጎላ ክካየድ እዩ። ልልሓለፉ ኽልተ ዓመታት ሃገር ወኪሎም ኣብ ኣህጉራዊ ውድ...
15/07/2026

ጎባልል ጋንታታት ኣፍሪካ ልሳተፋሉ ቻምፕዮና ኩዕሾ ኢድ ኣፍሪካ ካብ መስከረም 28 ክሳብ ጥቅምቲ 8 ብኣዳላውነት ኣንጎላ ክካየድ እዩ። ልልሓለፉ ኽልተ ዓመታት ሃገር ወኪሎም ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ልተሳተፉ ለይሕለሉ ኣናብስናለ ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ እዮም።

Address

Mekelle
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mekelle 70 Enderat football club posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category