ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ/Raya Azebo Football Club

  • Home
  • Ethiopia
  • Marsa
  • ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ/Raya Azebo Football Club

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ/Raya Azebo Football Club Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ/Raya Azebo Football Club, Sports Club, Marsa.

ወጀራት ሕረሪ፣ ራያ ትቓፀሊ          ዓውደውር ንደዲ፣ ጥበብ ትረደኢ፣  ጉማየ ብኸዪ፣          ሁራለ ኣርግዲ፣ ማሲንቆ ንበዒ፣  ፋዱማ ተክዚ          ፋፃለ ዕበዲ ፣ ገናሒ ጉ...
15/10/2025

ወጀራት ሕረሪ፣ ራያ ትቓፀሊ
ዓውደውር ንደዲ፣
ጥበብ ትረደኢ፣ ጉማየ ብኸዪ፣
ሁራለ ኣርግዲ፣
ማሲንቆ ንበዒ፣ ፋዱማ ተክዚ
ፋፃለ ዕበዲ ፣
ገናሒ ጉማየ፣ ኣቦ ሓሎ ዓርፉ
ድፍርቒ መንገዲ።

ሰኣን ኽልተ ዓምዲ፣ ወራር ኽልተ ህይወት
ወራር ኽልተ ነፍሲ፣
ጉማየይዋ ላዛይ፣ ጥበብይ ጎበዝይ
ኣዕርፎም ድማእሲ።

ድምፅኻ ደይስማዕ፣ ጥበብ ድፈጠርኻ
ትነብር ክላዕለ፣
ጉማየኻ ውሰድ፣ በዓል ንጉዕ ድምፂ
ሓወ መልሰለ።

ብ Dr. Hagos Abrha

Share.....ስፖርት ጠቓሚ ይኡ ብልና ንኣምን ተኾይንና ብፍላይ ዓበይቲ  ትካላት ንግዲ ዞዋና ዞዋ ደቡብይ ክልልናይ፣ ሰብ ሃፍቲ ዞዋ ደቡብ፣ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ትካላት ልምዓት ወዘተ ...
16/03/2020

Share.....
ስፖርት ጠቓሚ ይኡ ብልና ንኣምን ተኾይንና ብፍላይ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ዞዋና ዞዋ ደቡብይ ክልልናይ፣ ሰብ ሃፍቲ ዞዋ ደቡብ፣ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ትካላት ልምዓት ወዘተ ድዛ ጋንታ እዛ ኸዚ ንብፅሐላ፡፡
✔ ሰኣን ወርሓዊ መሃያ
✔ ሰኣን ቀለብ ምግቢ ትጫወትቲ
✔ ሰኣን ዕጥቒ መጫወቲ
እዛ ጋንታ ትፈርሽ የብላይ...
☞ እዛ ጋንታ እዛ ኸዚ ብድንሃቶ ኣከያይዳ ተቓፅላ ሽኳንያ እታ ጋንታ ነጋ ንጉሆ ድስፖርት ግንዛበ ድንሀዎ መንእሰይ ኣይናግንይይ፡፡ መንእሰይ ብሃምዞም ዱዎሉ መዘናገዕታት እንድሕር ደይትፀመደ ዉፅእቱ ድብዓል ዉኖ ክሓድጎ፡፡
ብዋናነት ኸዚ እታ ጋንታ ምምሕዳር ራያ ዓዞዎ ዳጠየሻ ዋላኳ ተኾነት ናራያ ዓዞዎ ጥራሕ ግን ኣይኾነትይ ኾይና ትቕፅል'ለ ስለደይንደሊ ኸዚ እቲ ድንሀዋ ዕዳ ጠቅላላ ኻፍላ ሃለዋታ ብዳረጋገፀት ሃም ብሓድስ ትጣየሸሉ ጅማሮ ጀምርና እንሀና፡፡ ምምሕዳር ራያ ዓዞዎ ጥራሕ ሸፍኑ ክዎፆ ስለደይኽእል፡፡

☞ ኣብ ዉሽጢ ዓዲይ ወፃእይ ኾይንኹም ድዛ ጋንታ ትሕግዙ ትደልዩ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ 00311121558-20 ባንኪ ኣምበሳ/ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
☞ ድኾነ ይኹን ሓበሬታ✆ ተደልኹም
✔ 0914253118/ ሓየሎም ረዳኢ
✔ 0914281144 ሳሚኤል ገ/የሱስ
✔ 0914147601 ዮናስ ሃይሉ

ሰኣን ኣያምታ... ዳድሓር ድተረፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ፡፡....ስፖርት ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሃም መዘናገዕይ መሕለፊ ግዜይ ጥራሕ ተይኾነይስ ኣብ ምዕባይ ቑጠባዉይ ማሕበራዉይ ጉዳያት'ለ ...
30/11/2019

ሰኣን ኣያምታ... ዳድሓር ድተረፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ፡፡....
ስፖርት ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሃም መዘናገዕይ መሕለፊ ግዜይ ጥራሕ ተይኾነይስ ኣብ ምዕባይ ቑጠባዉይ ማሕበራዉይ ጉዳያት'ለ ቕድምት ክስራዕ ካድኽእሉ ዘርፍታት እቲ ሓደ ይኡ፡፡ ስፖርት ባዕሉ ልምዓት ስለድኾነ፡፡
ትግራይ ብቲ ድነበራ ስልጣነይ ታሪኽይ ካምኹራዕ ሓልፋ እቲ ኸዚ ዘመን ድጠልቦይ ኣብ ትፈላለዩ ኹርንዓት ዓለም ሱማ ዳፀዉዕዋ ካድንሀዉ ዘርፍታት ስፖርት እቲ ሓደ ይኡ፡፡
ኣብ ትግራይና ካድንሀባ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ሃምሊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት፣ ጋንታ ስሑል ሽረ፣ ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ'ለ ነጋይ ድሕሪ ነጋይ ናተን ዓበይቲ ጋንታት ክልልና ኣሰራተን ስዕባ ክልልና ካፀዉዓ ክኽእላ ይአን ካድብሃላ ጋንታታት ተስፋ ካድንሀወን እታ ሓንቲ ይኣ፡፡

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ ኣብ 2006 ዓ/ም ኣብ መላእ ጫወታታት ትግራይ ኣብ ከተማ ዉቕሮ ትካየድሎ ዳሕና ድብሃል ደረጃ ሕዛ ብምዕዋታ ይኡ ትምስረት ድኸኣለት፡፡ ድ2007 ዓ/ም ብቤት ምኽሪ ወ/ራ/ዓዞዎ ትወሰነ በጀት ትድሕዝዋ ሃም ክለብ ትቕፅል ሃምድንሀዋ ትኣሙኑላ፡፡

ኣብ 2008 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ኣብትገበሩ ምድባት ካብ ምድባ 1ይ ደረጃ ካብ ክልልና ደማ 4ይ ደረጃ ብምድሓዝ ትዕወት ኽእላ ይኣ፡፡ ብትወሳኺ ለለ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባ ምንጭ ኣብ ትኻየደ ዉድድር ካብ ምድባ 1ይ ደረጃ ብምድሓዝ ትዓዋትት ኾይና ነብራ ይኣ፡፡
ኣብ 2009 ዓ/ም ብሃገር ደረጃ ምስ ናክልል ኣምሓራ ክለባት ደርሶ መልሲ ጫዋታ 3ይ ደረጃ ብምድሓዝ ለለ ትዓዋትት ኾይና ነብራ ይኣ፡፡

ኣብ 2010 ዓ/ም ብቲ ድነበረ ናሃገርና ፖለቲካዊ ደይምርግጋዕ ክለባት ኣብ ክልለን ክጫወታ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ድወፀ ሕጊ ኣብ ክልልና ምስ ኣሕዋት ክለባት ናትጫወተት ፀንሓ ሐዚለ ካ ኣብ ክልልና ድነበራ 1ይ ደረጃ ብምድሓዝ ትዓዉታ ነብራ ይኣ፡፡
ብትወሳኺ ዳብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ድምሕላፍ ምስ ናክልል ኦሮሚያ ክለባት ኣብ ኣዳማ ኣብ ድነበራ ግጥም ብማዕረ ዉፅኢት ትፈላልያ ይኣ፡፡ ...
ኣብ 2011 ዓ/ም ሐዚለ ዳብ ላዕለዋይ ሊግ ድምሕላፍ ምስ ናከተማ ኣዲስ ኣበባ 5 ክለባት ብምግጣም 4 ዓወት 1 ስዕረት ገጥምዋ ካምደባ 1ይ ኾይና ጫወትኣ ወድኣ ነብራ ይኣ፡፡
ኣብ መወዳእታ ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ስቴድየም ክልልና ምስ ናሓንቲ ናኣዲስ ኣበባ ክለብ/ሌገጣፎ ብምግጣም'ለ ዓወት ጨቢጣ ነብራ ይኣ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ "ቄራ ኣምስት" ብምግጣም'ለ ብትወሳኺ ትዓዉታ ነብራ ይኣ፡፡
ብትወሳኺ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2011 ዓ/ም ብሃገር ደረጃ ኣብ ዙዋይ ኣብ ትገበረ 4ተግጥማት ኣፍቲ 1ይ ጫዋታ ብዓወት ወፅኣ ኣፍተን ድተረፋ 3 ግጥማት ግና ትዕወት ኣይኽኣለትይ፡፡
እዚ ዉድቐት ዳጋጠመሉ ምኽንያት ብዋናነት ኣፍቶም ትጫወትቲ ድነበረ ናሞራል ዉድቐት ኾይኑ እቶም ትጫወትቲ ኣብ ዉሽጦም "ብነፃ ደና ንጫወት"? ምኽንያቱ ና 6ተ ኣዋርሕ ኽፍልት ደሞዝ ኣይትኻፈሎምይ ነዉሩ መሕዘኒ፡፡ ካብዚ ብምልዓል ኣፍታ ክለብ ድኖዎሩ ኑፉዓት ትጫወትቲ ተስፋ ብምቑራፅ ዳብ ኻልኣት ክለባት ኸይዶም ይኦም፡፡

ስለድኾነ እዛ ጋንታ እዛ ብዋናነት ናትጫወትቲ ብቕዓት ሽግር ሃምድየብላይ እኹል ድኾነ ንብረትይ ገንዘባዉይ ድጋፋት እንድሕር ኣግንያ ነጋይ ድሕሪ ነጋይ ናክልልና ዓዉዪ ተስፋ ካብ ድህልየን ጋንታታት ሓንቲ ደይትኾነሉ ምኽንያት ስለደይህልይ እዛ ጋንታ እዛ ናኹሉ ትግራዋይ ትኾን ሃምድንሀዋ ድታ ጋንታ ኣድላዪ ይኡ ዳብል ኹሉ ድጋፋት ክግበረላ እንሀዎ፡፡
☞ ብዚ ምኽንያት ድጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ ድምሕጋዝ ብሱም እታ ጋንታ ኣብ ዓለምለኸ ባንኪ ኣምበሳ ቑፅሪ ሒሳብ ባንኪ ትኻፍቱ ስለድንሆ ድመላእ ፎተይትይ ደገፍትይ እታ ክለብ ትሕግዙ እታ ጋንታ ትፅዉዐኩምላ፡፡ 00311121558-20....................
✍ ብዮናስ ሃይሉ ትፅሕፉ
ፍልፍል መረዳእታ ኣሸናፊ ግርማይ፡ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ፡፡

እዛ ክለብ እዛ ናራያ ዓዞዎ ተይኾነትስ ናመላእ ህዝቢ ትግራይ ይኣ፡፡
☞ ሳኣን ኣያምታ ክለባትና ዳድሕሪት ክቓርያ የብለንይ

ሰኣን ኣያምታ.. ካብ ዓወት ዝተረፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ...............................ስፖርት ኣብ ሓንቲ ዓዲ ከም መዘናገዕን መሕለፊ ግዜን ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ...
20/11/2019

ሰኣን ኣያምታ.. ካብ ዓወት ዝተረፈት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ...............................

ስፖርት ኣብ ሓንቲ ዓዲ ከም መዘናገዕን መሕለፊ ግዜን ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ምዕባይ ቑጠባዉን ማሕበራዉን ጉዳያት እዉን ቕድሚት ክስራዕ ካብ ዝኽእሉ ዘርፍታት እቲ ሓደ እዩ፡፡ ስፖርት ባዕሉ ልምዓት ስለዝኾነ፡፡
ትግራይ በቲ ዝነበራ ስልጣነን ታሪኽን ካብ ምኹራዕ ሓሊፋ እቲ ሐዚ ዘመን ዝጠልቦን ኣብ ዝ/ዩ ኹርንዓት ዓለም ስማ ዘፀዉዕዋ ካብዘለዉ ዘርፍታት ስፖርት እቲ ሓደ እዩ፡፡
ኣብ ትግራይና ካብ ዘለዋ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ከም ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት፣ ጋንታ ስሑል ሽረ፣ ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ እዉን ፅባሕ ናይተን ዓበይቲ ጋንታት ክልልና ኣሰር ሲዒባ ክልልና ከፀዉዓ ካብ ዝኽእላ ጋንታታት ተስፋ ካብ ዘለወን እታ ሓንቲ እያ፡፡

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ ኣብ 2006 ዓ/ም ኣብ መላእ ፀወታታት ትግራይ ኣብ ከተማ ዉቕሮ ክካየድ ከሎ ፅቡቕ ዝበሃል ደረጃ ሒዛ ብምዕዋታ እዩ ክትምስረት ዝኸኣለት፡፡ ን 2007 ዓ/ም እዉን ብቤት ምኽሪ ወ/ራ/ዓዞዎ ዝተወሰነ በጀት ተታሒዙዋ ከም ክለብ ክትቕፅል ከምዘለዋ ተኣሚኑላ፡፡
ኣብ 2008 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተገበሩ ምድባት ካብ ምድባ 1ይ ደረጃ ካብ ክለልና ድማ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ክትዕወት ኺኢላ እያ፡፡ ብትወሳኺ ድማ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዝተኻየ ዉድድር ካብ ምድባ 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ እያ፡፡
ኣብ 2009 ዓ/ም ብሃገር ደረጃ ምስ ናይ ክልል ኣምሓራ ክለባት ደርሶ መልሲ ፀዋታ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ እያ፡፡
ኣብ 2010 ዓ/ም በቲ ዝነበረ ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ክለባት ኣብ ክልለን ንክፃወታ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዝወፀ ሕጊ ኣብ ክልልና ምስ ኣሕዋት ክለባት እናተፃወተት ፀኒሓ ሐዚ'ዉን ካብ ኣብ ክልልና ዝነበራ 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ ነይራ እያ፡፡
ብትወሳኺ ናብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ንምሕላፍ ምስ ናይ ክልል ኦሮሚያ ክለባት ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝነበራ ግጥም ብማዕረ ዉፅኢት ተፈላልያ እያ፡፡........
ኣብ 2011 ዓ/ም ሐዚ'ዉን ናብ ላዕለዋይ ሊግ ንምሕላፍ ምስ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 5 ክለባት ብምግጣም 4 ዓወት 1 ስዕረት ገጢሙዋ ካብ ምደባ 1ይ ኮይና ዛዚማ እያ፡፡
ኣብ መወዳእታ ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ስቴድየም ክልልና ምስ ናይ ሓንቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ክለብ/ሌገጣፎ ብምግጣም እዉን ዓወት ጨቢጣ እያ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ "ቄራ ኣምስት" ብምግጣም እዉን ሲዒራ እያ፡፡
ኣብ መወዳእታ ዓመት 2011 ዓ/ም ብሃገር ደረጃ ኣብ ዙዋይ ኣብ ዝተገበረ 4ተግጥማት ኣፍቲ 1ይ ፀዋታ ብዓወት ወፂኣ ኣፍተን ዝተረፋ 3 ግጥማት ግና ክትዕወት ኣይክኣለትን፡፡
እዚ ዉድቐት ዘጋጠመሉ ምኽንያት ብዋናነት ኣፍቶም ተፃወትቲ ዝነበረ ናይ ሞራል ዉድቐት ኾይኑ እቶም ተፃወትቲ ኣብ ዉሽጦም "ብነፃ ዲና ንፃወት"? ምኽንያቱ ናይ 6ተ ኣዋርሕ መሃያ ኣይተኸፈሎምን ነይሩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እዉን ኣፍታ ክለብ ዝነበሩ ኑፉዓት ተፃወትቲ እዉን ናብ ኻልኦት ክለባት እዮም፡፡
ስለዝኾነ ድማ እዛ ጋንታ እዚኣ ብዋናነት ናይ ተፃወትቲ ብቕዓት ፀገም ከምዘይብላን እኹል ዝኾነ ንዋታዉን ገንዘባዉን ድጋፋት እንተረኺባ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ናይ ክልልና ዓዉዪ ተስፋ ካብ ዝህልወን ጋንታታት ሓንቲ ዘይትኾነሉ ምኽንያት ስለዘይህሉ እዛ ጋንታ እዚኣ ናይኹሉ ትግራዋይ ክትኸዉን ከምዘለዋን ንታ ጋንታ ኣድላዪ እዩ ዘብል ኩሉ ድጋፋት ክግበረላ ኣለዎ፡፡
☞ በዚ ምኽንያት ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ ንምሕጋዝ ንእትደልዩ ብሽም እታ ጋንታ ኣብ ዓለምለኸ ባንኪ ኣምበሳ ቑፅሪ ሒሳብ ባንኪ ተኸፊቱ ስለዘሎ ንመላእ ፈተዉትን ደገፍትን እታ ጋንታ ክትሕግዙ እታ ጋንታ ትፅዉዕ ኣላ፡፡ ሒሳብ ቑፅሪ 00311121558-20

☞ ስኣን ኣያምታ ክለባትና ንድሕሪት ክተርፋ የብለንን.

16/11/2019

እዚ ናራያ ዓዞዎ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ና ፌስቡክ ገፅ ይኡ

Address

Marsa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዞዎ/Raya Azebo Football Club posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category