ማእከል ጎልጎል

ማእከል ጎልጎል SH ማእከል ጎልጎል ስፖርት፡ ንስፖርት ሃገርናን ዞባና ዓለምን እትጽብጽብ ፔጅ ያ ፡ፈሎው ላይክ ኣብ ማእከል ጎልጎል ስፖርት

ቀንዲ ዕላማ ያማል ንሓድሽ ወፍሪ!  "ናይዚ ዓመተ ስፖርት ዕላማይ? ቻምፕዮንስ ሊግ ምዕዋት እዩ"ይብል ወዲ 19 ዓመት ላሚን ያማልድሕሪ 2015 ዋንጫ እዚ ዓቢ ዉድድር ዘየልዓለት ባርሰሎና ድ...
03/09/2026

ቀንዲ ዕላማ ያማል ንሓድሽ ወፍሪ!

"ናይዚ ዓመተ ስፖርት ዕላማይ? ቻምፕዮንስ ሊግ ምዕዋት እዩ"ይብል ወዲ 19 ዓመት ላሚን ያማል

ድሕሪ 2015 ዋንጫ እዚ ዓቢ ዉድድር ዘየልዓለት ባርሰሎና ድሕሪ 11 ዓመታታት ከም ሓሳብ ያማል ትዕወት ዶ?

ባርሳ ንጎርደን፡ኣደይሚ፡ሮድሪ፡ካንሴሎ(ብቀዋሚ) ኣብ መሳርዓ ጸንቢራቶም ኣላ።

ዩናይትድ ንዓመታ ዝብል ካሕሳ!ምክልኻላ ብፍላይ ኣብ ጸጋም ወገን ሓደስቲ ተኸላኻኸልቲ ዘይምምጻኣ ደገፍታን ተንተንትን ክንቅፍዋ ዝጸነሐት ማንቸስተር ዩናይትድ፡ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድምር 500 ሚ...
03/09/2026

ዩናይትድ ንዓመታ ዝብል ካሕሳ!

ምክልኻላ ብፍላይ ኣብ ጸጋም ወገን ሓደስቲ ተኸላኻኸልቲ ዘይምምጻኣ ደገፍታን ተንተንትን ክንቅፍዋ ዝጸነሐት ማንቸስተር ዩናይትድ፡ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድምር 500 ሚልዮን ፓውንድ ብዝበጽሕ ሓፈሻዊ ወጻኢ ጽፉፋት ተኸላኸልቲ ከተምጽእ ምዃና ኣፍሊጣ።

እዚ ድማ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ፕሮጀክት ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

እዚ ማለት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጽገና መስመር መጥቃዕቲ 215 ሚልዮን ፓዉንድ፡ ኣብዚ ክራማት 155 ሚልዮን ፓዉንድ ንመስመር ምክፍፋል ወጻኢ ጌራ፡ ካብቲ 500 ሚልዮን ፓዉንድ ተረፍ ድማ ንምክልኻል ተሰሊዑ ኣሎ፡

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 2028 ኣብ መበል 150 ዓመት ናይ ምምስራት ዓመታ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ክትዓትር መዲባላ ኣላ።

ዩናይትድ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ወይ ኣብታ ዝበለታ ኣብ 2028 ዋንጫ ክትወስድ? ሓሳብኩም ኣብ ታሕቲ፡

ክብርታትካ ባዕልኻ ንምሕላዉ!ኦሊ ዋትኪንስ ኣብ ስዑዲ ፕሮ ሊግ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ሓቂ ንምዝራብ" "ሎሚ ሊግ ሱዕዲ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ልክዕ ከም ፕረምየርሊግ ክልካዕ ዝኽእልዩ" ኢሉዋትኪንስ...
03/09/2026

ክብርታትካ ባዕልኻ ንምሕላዉ!

ኦሊ ዋትኪንስ ኣብ ስዑዲ ፕሮ ሊግ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ሓቂ ንምዝራብ" "ሎሚ ሊግ ሱዕዲ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ልክዕ ከም ፕረምየርሊግ ክልካዕ ዝኽእልዩ" ኢሉ

ዋትኪንስ ካብ እንግሊዝ ካብ ዝኸይድ 10 መዓልቱ ኣይመለአን።

ሕቶ=>ሓቂ ወይ ሓሶት በል?

ሜሲ ጓህሪ ኣብ ቁሚጦ ነስኒሱ! ንዘመናት ኣብ ክዕሶ እግሪ ዘየሰማምዕ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ናይ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ተጻዋታይ መን እዩ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ዝላዓልዩ።ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘሎ ክ...
02/09/2026

ሜሲ ጓህሪ ኣብ ቁሚጦ ነስኒሱ!

ንዘመናት ኣብ ክዕሶ እግሪ ዘየሰማምዕ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ናይ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ተጻዋታይ መን እዩ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ዝላዓልዩ።

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘሎ ክርክር ድማ ደገፍቲ ሜሲ ምስ ደገፍቲ ደገፍቲ ሮናልዶ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ናትናዩ እቲ ብሉጽ ናትናባ ኣብ ዝብል ክርክር ምስተሸሙ እዮም

ብዛዕባዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣልዕሊዋ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ምስ ዝሕተት ዉን ሸለል ኢልዋ ዝሓልፍ ዝነበረ ሜሲ ሕጂ ግን

" GOAT(greatest of all time) ናይ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ዝብል ክርክር ዓጺናዮ ኢና" ኢሉ ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገጹ።

ሕቶ=>ብዘይ ወገናዉነት መን እዩ እቲ GOAT፡

ነጻ ዘለዉ ተጻወቲ!መስኮት ምስግጋር ትማሊ ለይቲ ምዕጻዉ ስዒቢ። እዞም ዝስዕቡ ተጻወትቲ ብዘይ ክለብ ዘለዉ ተጻወቲ ኮይኖም፡ዝኾነት ክለብ ኣብ ዝኾነ እዋን ከተፈርሞም ትኽእል እያ።1, ፖል ፖ...
02/09/2026

ነጻ ዘለዉ ተጻወቲ!

መስኮት ምስግጋር ትማሊ ለይቲ ምዕጻዉ ስዒቢ። እዞም ዝስዕቡ ተጻወትቲ ብዘይ ክለብ ዘለዉ ተጻወቲ ኮይኖም፡ዝኾነት ክለብ ኣብ ዝኾነ እዋን ከተፈርሞም ትኽእል እያ።

1, ፖል ፖግባ
2,ጃዶን ሳንቾ
3,ዳኒ ካርቫሃል
4,ሰርጅዮ ራሞስ
5,ካሪም ቤንዘማ
6,ደቪድ ኣላባ
7,ፊሊፕ ኮቲንዮ
8,ኢቭ ቢሶማ
9,ራሂም ስተርሊንግ
10,ሪያድ ማህረዝ
11,ኦሌክሳንደር ዚንቸንኮ
12,ዊልፍሪድ ዛሃ
13,ማርሴሎ ብሮዞቪች
14,ሬናቶ ሳንቸስ

ናብ ክለብና ተዝመጽእ ኣበርክቶ ምሃበና ትብልዎ?

ምዕማር ሞተር ማንቸስተር ሲቲ!ንነዊሕ ዓመታት ብሮድሪ ሲልቫ ኬቨን ዱብሩይና ተመሪሑ፡ ነዊሕ ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ፡ ንማንሲቲ ካብ ሳህራ ኣዉጺኡ ናብ ለማልም ጫካታት ኣማዞን ዝወሰደ ሞተር እነሆ ...
02/09/2026

ምዕማር ሞተር ማንቸስተር ሲቲ!

ንነዊሕ ዓመታት ብሮድሪ ሲልቫ ኬቨን ዱብሩይና ተመሪሑ፡ ነዊሕ ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ፡ ንማንሲቲ ካብ ሳህራ ኣዉጺኡ ናብ ለማልም ጫካታት ኣማዞን ዝወሰደ ሞተር እነሆ ሕጂ ብሓደሸ 380 ሚልዮን ፓዉንድ ዋጋ ተዓሚሩ፡

ሲቲ ንኣንደርሰን ካብ ኖቲንግሃም ፎሬስት 116 ሚልዮን ፓዉንድ፡ን ቡኣዲ ካብ ሊለ 85 ሚልዮን ፓዉንድ፡ ንኢንዞ ፈርናንደዝ ካብ ቸልሲ 125 ሚልዮን ፓዉንድ ኣዉጺኣ ሕድሪ በዓል ሮድሪ ከየዕብር ናብ መሳርዓ ጸንቢራቶም ኣላ።

380 ሚልዮን ዝወጸሉ ሞተር ብቁጽራዊ ሓሳብ ክሓምቕ ኢልካ ዘይግመት'ዩ፡

ምስዚ መስመር ዝወዳደር ኣሎ ትብልዎ ካብ ዓበይቲ ሽድሽተ ክለባት ፕሪምየርሊግ መን ኣሎ? መበል ክንደይ ትሰርዕዎ፡

ወይ ጉድ!ማሊክ ፎፋና ሰብ ናብ ኣርሰናል እናተጸበዮ ብሑጋ ናብ ሳንደርላንድ ግዒዙ፡ቤልጂማዊ ፎፋና ኣርሰናል ትማሊ ምስ ክለቡ ኦሎምፒክ ሊዮን ተራኺባ ዕላል ኣካይዳ፡ 40 ሚልዮን ኤሮ ምስ በለ...
01/09/2026

ወይ ጉድ!

ማሊክ ፎፋና ሰብ ናብ ኣርሰናል እናተጸበዮ ብሑጋ ናብ ሳንደርላንድ ግዒዙ፡

ቤልጂማዊ ፎፋና ኣርሰናል ትማሊ ምስ ክለቡ ኦሎምፒክ ሊዮን ተራኺባ ዕላል ኣካይዳ፡ 40 ሚልዮን ኤሮ ምስ በለታ እዚ ነግድሎ ድኣ እምበር ኣይህበክን ኢላታ ኔራ፡

ለካ ሰዓታት ኣብ ምዝዛሙ ዕድል ዝነበራ ሊዮን ዝኣየበት ነዚያ፡ ካብ ምስግጋር ኣስቒጣ ዝጸነሐት ብጸለምቲ ደማሙ ትፍለጥ ሳደርላንድ ስራሕ ድሙ ሰሪሓ ወሲዳቶ፡

መስርሕ ምስግጋር ልዕሊ 12 ሰዓታት ጥራይ ተሪፍ ይርከብ ኣሎ፡ ኣርሰናል መን ተምጾኦ ትኸዉን?

ወዲ 20 ዓመት ያልኮየ!ድሕሪ ናይ ትማሊ ጸወታ ቸልሲ ብራይተን ብዓወት ቸልሲ 4ብ3 ዝተዛዘመ ግጥም፡ ያልኮየ ንቀዳመይቲ ሸቶ ብራይተን ንጸወታ 3ብ1 ዝገበረት ሸቶ ዘመዝገበ እዩ።እቲ ኣርእስቲ...
31/08/2026

ወዲ 20 ዓመት ያልኮየ!

ድሕሪ ናይ ትማሊ ጸወታ ቸልሲ ብራይተን ብዓወት ቸልሲ 4ብ3 ዝተዛዘመ ግጥም፡ ያልኮየ ንቀዳመይቲ ሸቶ ብራይተን ንጸወታ 3ብ1 ዝገበረት ሸቶ ዘመዝገበ እዩ።

እቲ ኣርእስቲ ግን ንሱ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ወዲ 20 ዓመት እዩ ዝብል እዩ እቲ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ።

ያልኮየ ኣይቨሪኮሳዊ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስ ዝጻወት ናይ ማእከል ሜዳ ኣካፋፋሊዩ፡

ዕድሚኡ ንሱ ክኸዉን ይኽእል ዶ? ወይ ነገር ኣፍሪቃ ከይተርፍዩ? ክንደይ ይኸዉን ብግምት?

ማን ዩናይትድ ንወዳ ብሩኖ!ዩናይትድ ኣብ ናይ X ናይ ቀደም ትዊተር ኣካዉንታ "ኣብ ፕሪምየርሊግ ናይዚ እዋን ዝበለጸ ተጻዋታይ" ኢላቶ =>ዩናይትድ ጽቡቕ ኣላ ድያ ወይ ከም ኣደ ንዉሉዳያ ጌራ...
31/08/2026

ማን ዩናይትድ ንወዳ ብሩኖ!

ዩናይትድ ኣብ ናይ X ናይ ቀደም ትዊተር ኣካዉንታ "ኣብ ፕሪምየርሊግ ናይዚ እዋን ዝበለጸ ተጻዋታይ" ኢላቶ

=>ዩናይትድ ጽቡቕ ኣላ ድያ ወይ ከም ኣደ ንዉሉዳያ ጌራቶ? ንዓኹም መንዩ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኣብዚ ሰዓት?

መታሓሳሰቢ:- ብሩኖ ትማሊ ማን ዩናይድት 5ብ2 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታት(ሃክትሪክ) ምስ ሓንቲ ቀረብ ጌሩ ድሕሪ ምዉጹኡያ ከምኡ ኢላቶ፡

ፈለዉ ላይክ ሼር ንዓና ሓገዝ ስለዘለዎ ድሕሪ ምንባብኩም ኣማእኺልኩና ሕለፉ።

ካብ ኣካታዒ ናይ ሎሚ ጸወታ!ፕሪምየርሊግ 2ይ ሰሙን መደባቱ ሎሚ ዉን ኣብ ዘካይደሉ ኣብ ዝሓላፈ ጸወታኣ ብሃል ሲቲ 2ብ0 ተረቲዓ ዝነበረት ማን ዩናይትድ፡ ሎሚ ንኤፕስዊች ታዉን ዓዲማ ብሃትሪ...
30/08/2026

ካብ ኣካታዒ ናይ ሎሚ ጸወታ!

ፕሪምየርሊግ 2ይ ሰሙን መደባቱ ሎሚ ዉን ኣብ ዘካይደሉ ኣብ ዝሓላፈ ጸወታኣ ብሃል ሲቲ 2ብ0 ተረቲዓ ዝነበረት ማን ዩናይትድ፡ ሎሚ ንኤፕስዊች ታዉን ዓዲማ ብሃትሪክ ሸቶታት ብሩኖ ደብዲባ 5ብ2 ኣፋንያታ።

ቸልሲ ዉን ኣብ ሜዳኣ ንብራይተን ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ 4ብ3 ተፋላልያ ኔራ። ቸልሲ ቅድሚታ ማሓሪ ኣይኮነን እንተ ድሕሪታ ግን የግዲ።

ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊ ናብ ዕረፍቲ 1ብ1 ወጽየን፡ ኣብ 2ይ እብረ ማጉዋየር ዝቀለዓ ተጻዋታይ ኢፕስዊች ታዉን ጃኮብ ግሪቭስ ብጌጋ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ኣመዝጊቡ፡ እዛ ሸቶ ድማ ንዩናይትድ መሪሕነት ኣምጽያታ፡

ክሳብ ሕጂ ተዛርብ ዘላ ድማ ማጉዋየር ብኢዱ ሒዝዋ ኔሩ ኣይሓዛን ዝብል ክትዕዩ፡

ካብዛ ስእሊ ወይ ካብ ዝረኣኽሞ እንታይ ፍርዲ ኣለኩም?

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማእከል ጎልጎል posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category