Ädulis Media

Ädulis Media Eritrea East Africa full of pride, culture, bravery and ancient history. Feel free to send us anything you want to share ... Eritrea-an-open-air museum

27/04/2021

Start this new day with a clean heart. Let that hurt go... ❤

ስእሉ ውን ይዛረብ ዩ !እቲ ፍልልይ ናይ ዓመታት መከተ.ናይልምዓትን ናይጥፋኣትን ሰብናን ሕብረተሰብናን.
23/04/2021

ስእሉ ውን ይዛረብ ዩ !
እቲ ፍልልይ ናይ ዓመታት መከተ.
ናይልምዓትን ናይጥፋኣትን ሰብናን ሕብረተሰብናን.

ታሪካዊ ቅርጽታት ቦታታት ኤርትራ
19/04/2021

ታሪካዊ ቅርጽታት ቦታታት ኤርትራ

16/04/2021
ዓድና ምስ ተመለስና ....ቀስ ኢሉ ዝዛረብ፡ ዝጥምታ፡ ኣዕሚቑ። ኣብ ዓይና ብመስርዕ ጻጸ ዝኸዱ ደቀቕቲ ስምዒታታ ሓንቲ ከይስሕት ከም ዝተኣዘዘ ወትሃደር ቀው ኢሉ ዝጥምታ፡ ሃዲኡ ኢዳ ሒዙ ዝ...
03/04/2021

ዓድና ምስ ተመለስና ....

ቀስ ኢሉ ዝዛረብ፡ ዝጥምታ፡ ኣዕሚቑ። ኣብ ዓይና ብመስርዕ ጻጸ ዝኸዱ ደቀቕቲ ስምዒታታ ሓንቲ ከይስሕት ከም ዝተኣዘዘ ወትሃደር ቀው ኢሉ ዝጥምታ፡ ሃዲኡ ኢዳ ሒዙ ዝኸይድ፡ ንእሽቶይ ክረኽባ ኢሉ ካብ ርሑቕ መጽዩ ስዒምዋ ዝምለስ ፍቕሪ።

“ኣብ ዓድና ኤርትራ ሒዘካ ክኸይድ እየ። እንዳ ዓባያታተይ፡ ኣቦሓጎታተይ ከላልየካ እየ። ዕራርቦ ጸሓይ ትህቦ ግርማ ኣብኡ ካብ ኩሉ ዓለም ይፍለ እዩ። ንስኻ ካብ ኩሎም ፍጠረታት ዓለም እቲ ዝጸበቐ ሰብ ኢኻ እሞ ብሓደ ከይድና ከነስተማቕሮ እደሊ እየ።" ክትብሎ...

ሽዑ ኣብ ሓሳባ ...ኣብቲ ደንደስ ደንቢኦም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ኮፍ ኢሎም ክሳብ ጥሪቶም ዝመጻ ተጸብዮም በብሓደ ፈቒዶም ክሳፍርወን። ሽዑ ዝኾነ ዝግበር ስለ ዘየለ፡ እግሪ ኣባሓጉኣ ሓጺባ ተመሪቓ፡ ንዓባያ ድራር ሓጊዛ፡ ተደሪሮም። ምስ ሽኮሪናኣ ደገ ወጽዮም ንፋስ እና ተሃርሙ ንእሽቶትይ መጽሓፍ ከንብቡ፡ ብዛዕባ ሂወት ብምልኣት ብዑምቆት ከውግዑ እሞ...

“ንእሽቶይ ከለኹ ኣብዛ ቦታ ከምዚ ኢልና ከም ነዕልል ሓሊመ ነይረ።” ክትብሎ። ሕልማ ዝሰመረላ ዕድለኛ ፍጥረት ክትከውን ተመንያ። ኣብ ኢዶም ብዘይካ ኢድ ናይ ክልቲኦምን መጽሓፍን ካልእ የለን። ሞባይላቶም ረሲዖመን እዮም ።ኣብቲ ዘለዉዎ ንሶም ጥራይ ኣለዉ። ንሱ ኣብኣ ንሳ ኣብኡ። ንእስነቶም ክኣ። ጸሓይ ኣፋንዮም ናይ ልቦም ኣዕሊሎም ገዛ ክምለሱ ...

ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ምዕጉርቱ ስዒማ፡ ኢዳ ካብ ኢዱ ስሒባ መሪሓቶ ኣትያ። እዋን ድቃስ ንሳ ምስ ዓባያ፡፡ንሱ ኣብቲ ናይ ኣኮኣ ዓራት ደቂሱ። ልዋም ደቂሶም ሓዲሮም ንግሆ ተንሲኦም ማይ ከተንጠብጥበሉ ርእሱ እና ተሓጽበ “ ጽቡቕ 'ዶ ደቂስኪ ጽብቕቲ፧ የፍቅረኪ እየ” ክብላ ሰብ ከይሰምዖ ተሰኪፉ ቁሊሕሊሕ እናበለ፡ ዓይና ጠሚቱ መልሲ ክረክብ።

ጸሓይ "ከመይ ሓዲርኩም" ክትብሎም ኣብቲ ደንበ ተረኺባ። እተን ሰብ ርእየን ዝትንስኣ ዝነበራ ከብቲ ምንቅስቓስ ጀሚረን። ሓደሽቲ ፍጠረታት ርእየን ፍሉያት ሰባት ዝርኣያ ክመስላ ይጥምቶኦም ነይረን።

ቁርሲ ይግበረሎም ኣሎ። ሻሂን ቅጫን። ኣብታ ብደጊኣ ዝሓረረት በራድ ትፈልሕ ጥዕምቲ ሻሂ ደጊማ ከተስተማቕራ ተሃዊኻ። መኻፍይቲ ቅጫ ስገም ገይሮም ክቖርሱ። ብፍስሃ ናይተን ደንበ መሊአን ዝነበራ ጥሪት ድምጸን ከም ጥዑም ዜማ ውሽጦም ከሐድስ። ተፈጥሮ ከዛርቦም ...

ድሕሪ ቁርሲ ንሱ ምስ ኣባሓጉኣ በረኻ ከይዱ። ንሳ ኣብ ገዛ ምስ ዓባያ ውዒላ። ናፊቓቶ ውዒላ ክምለስ እንከሎ ከይዳ ከይርኣዩዋ ሕቑፍ ኣቢላ። “ናፊቐካ ውዒለ ከመይ ነይሩ በረኻ፧ የፍቅረካ እየ”። ናይ ንግሆ መልስን ስዕመትን ሂባ ሒዛቶ ገዛ ክትኣቱ። ክሕጸብ ማይ ክትቅርበሉ ሸበድበድ ክትብል። ዓባያን ኣባሓጉኣን ብህላውነቶም ተሓጉሶም ክትርእዮም። ንሱ ምስኣ ንሶም ኣብ ዘለዉዎ ....

" ክልተ በጊዕ ይሃቡና እሞ ኣብዚኣ ጥቓኦም ንእሽቶይ ገዛ ሰሪሕና ዘይንነብር፧" ክብላ ኣብ እዝና ቐሪቡ። እናስሓቐት "ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ...ቅሩብ መጽሓፍትን ጥዑም ሙዚቃን ይሃሉ እምበር ወላ ሓንቲ ትኣኽለና።" ክትብሎ።

ሂወቶም ንግሆ ንግሆ ...ጸሓይ ብፍቕሪ ተቐቢሎም ምሸት ብናፍቖት ከፋንውዋ። ክትጥምቶ፡ ክጥምታ፡ ክስሕቁ፡ ኣፍ ንኣፍ ተዋሃሂቦም ከዕልሉ ክነብሩ ደልያ።
ሰላም ይኹን እሞ...ምስ ተመለስና ዓድና ሒዘካ ክኸይድ እየ።

01/04/2021

እወ ንኣድነት 99.80%
ተደምረኛል ኣንድ ሆንኛል!
ተደሚርና ኢና ሓደ ኮይና ኢና!
እቲ ዝገርም ነገር ግን በቲ ዝዛረብሉ ቃናቃ ዘይተረዶኦምስ ብ ኣምሓረና ዝተዘርበ የዕገርግሮም ቀንዩ።

ኤርትራ (ክፋል)ክልል ኢትዮጲያ ኮይና ኣብ ምርጫ ውን ንፍለማ ትሳተፍ ኣላ!
30/03/2021

ኤርትራ (ክፋል)ክልል ኢትዮጲያ ኮይና ኣብ ምርጫ ውን ንፍለማ ትሳተፍ ኣላ!

ካብ ኣዲስ ኣበባ ፥ * ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ናብ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ናይ ገዛ ገዛ ብርቱዕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ኣብቲ ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝቕመጡዎ ናይ ኮንዶሚንየ...
30/03/2021

ካብ ኣዲስ ኣበባ ፥

* ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ናይ ገዛ ገዛ ብርቱዕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ኣብቲ ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝቕመጡዎ ናይ ኮንዶሚንየም ህንጻታት ዘተኮረ ኮይኑ ገለ ካብቲ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ'ሞ ኣብ ዝኾነ ይኹን መዓስከር መዝገብ ዘይነበሮም ድሕሪ'ዚ ስማዊ መስርሕ ሰላም ዶብ ምስ ምኽፋቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉን ፡ ኣብ ትግራይ ናብ መዓስከራት ክኣትዉ ፈቲኖም ዝተኸልከሉን ይካየድ ምህላዉ'ዩ ።

* እዚ ግፋ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ነበርቲ ዝተወሰነ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩዎ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ረብሻ ወዲኦምና ምስፋር ከሊኦምና ክብሉ ከሲሶም ዝብል ዜና ዝተሓሓዝ ከም ዘይኮነን ንጹሃት ሰባት ይግፈፉን ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ይውሰዱ ምህላዎምን ኣብኡ ዝነብሩ 2 ኤርትራዉያን ኣረጋጊጾምለይ ኣለዉ ።

* ክልተ ኤርትራውያን (እቲ ሓደ ብኣቡኡ ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ዘለዎ ) ናብ ቀበሌ ኣብ ዝኸዱሉ ኣብኡ ዝጸንሓቶም ንሱ ዝፈልጣ ጸሓፊት ንኤርትራውያን ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ምምጽኡን "ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ክግልገል ምስ ዝመጽእ ናብ ፖሊስ ጥቆማ ኣቕርቡ " ተባሂልና ኣለና ከም ዝበለቶምን ፡ ጉዳዮም ወንዚፎም ምምላሶምን ሓቢሮም ኣለዉ።

*** ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለኹም ኤርትራውያን ሓደራ ነንሕድሕድኩም ተሓጋገዙ ፡ ልዑል ጥንቃቐ ግበሩ ድማ !!! ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን !!!

ናይ ድጋፍ ስለፊ ን1ይ ሚንስተር ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ጽባሕ ዓርቢ ሚያዝያ 2 -2021 ፤ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፤ ብምክንያት መበል 3ይ ዓመት ዕለተ ምምጻእ ናብ ስልጣን ቀዳማይ ሚንስተርነት ...
29/03/2021

ናይ ድጋፍ ስለፊ ን1ይ ሚንስተር ዶር ኣብዪ ኣሕመድ

ጽባሕ ዓርቢ ሚያዝያ 2 -2021 ፤ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፤ ብምክንያት መበል 3ይ ዓመት ዕለተ ምምጻእ ናብ ስልጣን ቀዳማይ ሚንስተርነት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ዶር ኣብዩ ኣሕመድ፤ናይ ደገፍ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ነቲ ሰልፊ ዝምልከት ሓበሬታ፤ካብ ሕብረተሰብ ዝተዋጽኡ ውልቀሰባት፤መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ ድማ ሰብ ጸጋ እታ ሃገር ሎሚ መግለጺ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ብተሽከርከርቲ ተዓጂቡ ክኻየድ ምኾኑን ነቲ ሰልፊ ንምምዕራግ ምድላዋት ከምዝጸፈፈ፡ ኣገልጎሎት ዜና ኢትዮጵያ ይሕብር።

በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ምስ ዘሎ ውዑይ ፖሎቲካዊ ኲነታት ኢትዮጵያ፤ከጋጥም ካብ ዝኽእል ነገራት፤ ንከባቢኹም ግምት ዝሃበ፡ ጥንቚቕ ኣካይዳ ከዘውትሩ እምሕጸን።

ክነታት ከመይ ከምዘለው ኣብ ገጾም ኣለኩም.
25/03/2021

ክነታት ከመይ ከምዘለው ኣብ ገጾም ኣለኩም.

Adresse

Maur

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Ädulis Media erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Teilen