Erena Cycling News

Erena Cycling News ዜናታት

ሃገራዊት ጋንታ ተመሪጻ !!!!ን ዙር ርዋንዳ እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተመሪጻ ኣብ ምድላዋት ትርከብ፡ እዛ ብ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እናትኣለተይ ን ችክሊስታ ፈረጅ መሓመድኑር ሒዛ...
10/02/2026

ሃገራዊት ጋንታ ተመሪጻ !!!!

ን ዙር ርዋንዳ እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተመሪጻ ኣብ ምድላዋት ትርከብ፡ እዛ ብ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እናትኣለተይ ን ችክሊስታ ፈረጅ መሓመድኑር ሒዛ ናብ ርዋንዳ እትብገስ ን ተቀዳደምቲ

ሄኖክ ሙሉብርሃን
መርሃዊ ቅዱስ
ናታን መድሃኔ
ናሆም ዘርኣይ
ያፌት ሙልጌታ ዝኣመሰሉ ሓያል ዓቀብ ናይ ምድያብ ተመክሮ ዘለዎም ተቀዳደምቲ ሒዛ እያ ናብቲ ዝዓበየ ናይ ኣህጉርና ውድድር ክትኣቱ።

2023 ን ዙር ርዋንዳ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝትዓወተሉ ሄኖክ ሙሉብርሃን ን መበል 5ይ ግዚኡ እዩ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ !!!!

2019 ን ዙር ርዋንዳ ዝትዓወተሉ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ውድድር ዝልዓለ ተመክሮ ዘለዎ ተቀዳዳማይ ኮይኑ እዩ ክሳተፍ።
ናይ መርሃዊ ምስታፍ ምስ ትማሊ ዘጋጠሞ መውደቅቲ ለውጢ ክህልው ይኽእል ዩ

ዕዉት ሻምፕዮን ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ን 5ይ ግዚኡ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መድረኽ ዓወት ኣንጸባሪቁ ኔሩ እዩ !!!!

ን 3ይ ግዚኡ ናብ ርዋንዳ ንምምራሕ ተዳልዩ ዝርከብ ያፌት ሙልጌታ እቲ ጌና ብቅዓቱ ብዝግባእ ዘይመዝመዘ ሓያል ናይ ዓቀብ ተቀዳዳማይ እዩ !!!!

ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2025 ዝንኣድ ብቅዓት ዘንጸባረቀ ናታን መድሃኔ ን 2ይ ግዚኡ እዩ ኣብቲ ዝልዓለ ናይ ዓወትን ብሉጽ ብቅዓትን ከርእየሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸወታ ክሳተፍ !!!!

ጽቡቅ ዕድል ሬድሲ ካመልስ

ዝበለጸት ስልቲ ጸወታ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝርኣኽዋ ዝሃንደሰ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል !!!!ሓንቲ ቃል ምስ ሓንቲ ልቢ ጌርኩም ግለጽዎ !!!!
28/11/2025

ዝበለጸት ስልቲ ጸወታ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝርኣኽዋ ዝሃንደሰ ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል !!!!

ሓንቲ ቃል ምስ ሓንቲ ልቢ ጌርኩም ግለጽዎ !!!!

ወዲ ሙሌ ውዕሉ ኣሐዲሱ !!!ኣባል ክለብ ኣስታና ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስታ ጋንታ ዘለዎ ውዕል ክሳብ 2027 ከም ዘሐደሶ እታ ጋንታ ሓቢራ !!!!10086 ኪሎ ሜተር ኣብ 2025 ዝዘወረ ወዲ ሙ...
23/10/2025

ወዲ ሙሌ ውዕሉ ኣሐዲሱ !!!

ኣባል ክለብ ኣስታና ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስታ ጋንታ ዘለዎ ውዕል ክሳብ 2027 ከም ዘሐደሶ እታ ጋንታ ሓቢራ !!!!

10086 ኪሎ ሜተር ኣብ 2025 ዝዘወረ ወዲ ሙሌ ን ሃገሩን ጋንትኡን 733 ናይ ዩ ሲ ኣይ ነጥቢ ከምጽእ ዝኽኣለ እዩ፡ ሄኖክ ኣብ ናይ ፕሮፈሽናል ውድድሩ 12 ዓወታት ክህልዎ ከሎ ኣብ 2 ናይ ግራንድ ቱር ውድድራት ውን ክሳተፍ ዝኽኣለ ተቀዳዳማይ እዩ።

2026 እንታይ ትጽቢትኩም ካብ ወዲ ሙሌ !!!!!

ጽቡቅ ዕድል Henok Mulubrhan Solomon

ኢንተርማርች ብ ወግዒ ላይሰንሳ ወዲቁ !!!!** ናይ መወዳደሪ ልቸንስኣ ዘፍረሰት ክለብ ኢንተርማርች ምስታ ናይ 2026 መጻወቲ ልቸንስኣ ዘሐደሰት ክለብ ሎቶ ናብ ምጽንባር ገጻ እያ ትጉዓዝ ...
21/10/2025

ኢንተርማርች ብ ወግዒ ላይሰንሳ ወዲቁ !!!!

** ናይ መወዳደሪ ልቸንስኣ ዘፍረሰት ክለብ ኢንተርማርች ምስታ ናይ 2026 መጻወቲ ልቸንስኣ ዘሐደሰት ክለብ ሎቶ ናብ ምጽንባር ገጻ እያ ትጉዓዝ ዘላ።

** ክለብ ጃይኮ ኣሉላ ውን ልቸንስኣ ኣየሐደሰትን ናብ ምፍራስ ገጻ እያ፡ ውዕል ዘለዎም 20 ተጻወታ ብ ናጻ ናብ ዝደለይዋ ጋንታ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም

** እስራኤል ፕሪመር ቴክ ውን ኣብዛ ዓመት ካብ ዘጋጠማ መሰናኽላት ንምውጻእ ስማ ናብ Cycling Acadamy ቀይራ ካብ ፕሮ ኮንቲነንታል ናብ ዎርልድ ቱር ሰጊራ ክትወዳደር እያ. . . . ቢንያም ግርማይ ዝጽንበራ ትጽቢት ተጌርላ ዘሎ ጋንታ እያ

** Q36 Pro Cycling Team ውን ተኾነ ምስ Pinarello ውዕል ብምእታዋ ናብ ደረጃ ዎርልድ ቱር ደይባ ትርከብ

** Uno X Mobility ውን ናብ ዎርልድ ቱር ብምድያብ ክትወዳደር እያ

ኣብ 2026 ክወዳደራ ፍቃድ ረኺበን ዘለዋ ጋንታታት ዎርልድ ቱር !!!

- ALPECIN-DECEUNINCK
- BAHRAIN VICTORIOUS
- COFIDIS
- CYCLING ACADEMY
- DECATHLON CMA CGM TEAM
- EF EDUCATION – EASYPOST
- GROUPAMA-FDJ UNITED
- INEOS GRENADIERS
- LIDL-TREK
- LOTTO CYCLING TEAM
- MOVISTAR TEAM
- PINARELLO-Q36.5 PRO CYCLING TEAM
- RED BULL - BORA - HANSGROHE
- SOUDAL QUICK-STEP
- TEAM PICNIC POSTNL
- TEAM VISMA | LEASE A BIKE
- TEAM UAE EMIRATES XRG
- UNO-X MOBILITY
- TEAM XDS ASTANA

ናይ ፕሮ ኮንቲነንታል ጋንታታት

- BARDIANI CSF
- BURGOS-BURPELLET-BH
- CAJA RURAL-SEGUROS RGA
- EQUIPO KERN PHARMA
- EUSKALTEL-EUSKADI
- MBH BANK CSB BALLAN
- MODERN ADVENTURE PRO CYCLING
- TEAM FLANDERS – BALOISE
- TEAM NOVO NORDISK
- TEAM POLTI VISITMALTA
- TOSCANA FACTORY
- TOTALENERGIES
- TUDOR PRO CYCLING TEAM
- UNIBET TIETEMA ROCKETS

መራሒት ብልጽቲ ኮኾብ ኩሉ ዘማልአት !!!መን ክብል ?
21/10/2025

መራሒት ብልጽቲ ኮኾብ ኩሉ ዘማልአት !!!

መን ክብል ?

ሮግሊች ኣብ ራስ ብ ራስ ብሉጻት ተዓዊቱ !!ፕሮሞዝ ሮግሊግ፡ ፖጋቻር፡ ዴል ቴሮ፡ ቪንግጋርድ ጥራይ ዝተሳተፍዎ ኣንዶራ ሳይክሊን ማስተር ፕሪሞዝ ሮግሪች ብ ውህሉል ግዜ ዕዉት ኮይኑ፡፡ብ ናይ ...
19/10/2025

ሮግሊች ኣብ ራስ ብ ራስ ብሉጻት ተዓዊቱ !!

ፕሮሞዝ ሮግሊግ፡ ፖጋቻር፡ ዴል ቴሮ፡ ቪንግጋርድ ጥራይ ዝተሳተፍዎ ኣንዶራ ሳይክሊን ማስተር ፕሪሞዝ ሮግሪች ብ ውህሉል ግዜ ዕዉት ኮይኑ፡፡

ብ ናይ ክሮኖ ሜተር ውድድሩ ዝፈለመ ዚ ውድድር ሮግሊች ን ውድድሩ ብ 25 ደቂቅን 39 ካልኢትን ክዕወተሉ ከሎ ንዕኡ ስዒቦም ድማ

Pogacar 25:59
Del Toro 28:05
Vingegaard 29:24 ብሙኻን ተመራሪሖም ኣትዮም፡ ብ ድሕሪ ዚ ናብ ናይ ጽርግያ ውድድር ዝኣተዉ ዞም ተቀዳደምቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝገበርዎ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ዴል ቴሮ ብ ጸቢብ ን ሮግሊች ብምስዓር ዕዉት መድረኽ ኮይኑ ፖጋቻር 3ይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ ቪንግጋርድ ድማ 4ይ ብሙኻን ጸወትኡ ዛዚሙ።

ብውህሉል ግዜ ድማ ፕሪሞዝ ሮግሊች ዕዉት ብሙኻን ተሸላሚ ብሙኻን ፖድዩም ደይቡ።

17/10/2025

Milkias Maekele ዝበለጸ ናይ 2025 ተቀዳዳማይ ዶ ይሽለም ወይስ Nahom Zeray !!!!

ልክዕ ከምዛ ሎሚ ቅድሚ 9ተ ዓመት ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዎርልድ ሻምፕዮን 2016 ቀጠር መበል 13 ደረጃ ሒዙ ዝዛዘመላ መድረኽ እታ ዝበለጸት ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኤርትራውያን እያ ...
16/10/2025

ልክዕ ከምዛ ሎሚ ቅድሚ 9ተ ዓመት ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዎርልድ ሻምፕዮን 2016 ቀጠር መበል 13 ደረጃ ሒዙ ዝዛዘመላ መድረኽ እታ ዝበለጸት ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኤርትራውያን እያ !!!!!

ናቲንዞ

14/10/2025

Nahom ሲንባ ዶ ተዓዊትላ ወይስ Meron ወዲ ተሾመ !!!!

14/10/2025

ደገፍቲ ናይ መን ጋንታ ኢኹም

ኣስቤኮ
ኤሪተል
ሰንበል
ደቡብ
ደንደን
ገዛባንዳ

ግርማ ስፖርት ሃገርና !!!!ሓደ ካብ ዕሉላት ጋንታ ሰንበል (ኣዱሊስ) ዝኾነ መን ክብል ?
14/10/2025

ግርማ ስፖርት ሃገርና !!!!

ሓደ ካብ ዕሉላት ጋንታ ሰንበል (ኣዱሊስ) ዝኾነ መን ክብል ?

Address

Sudan
Khartoum

Telephone

+249122286985

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Erena Cycling News posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category