ጋንታ ሱሑል ሽረን ደገፍትን Suhul Shire

ጋንታ ሱሑል ሽረን ደገፍትን Suhul Shire እዚ ዕላዊ ገፅ ጋንታ ስሑል ሽረን ደገፍትን እዩ እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም🔰🔰🔰🙏⚽️⚽️⚽️💚💛

   ንምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰንፌደሬሽን ወርልድ ቴኳንዶ ትግራይንማሕበር ኣሰልጠንቲ ወርልድ ቴኳንዶ ትግራይንማሕበር ኣሰልጠንቲ ስፖርት ከተማ ሽረ እንዳስላሰንከይዲ ስራሕ ስፖርት ከተማ ...
01/09/2026



ንምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
ንፌደሬሽን ወርልድ ቴኳንዶ ትግራይ
ንማሕበር ኣሰልጠንቲ ወርልድ ቴኳንዶ ትግራይ
ንማሕበር ኣሰልጠንቲ ስፖርት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
ንከይዲ ስራሕ ስፖርት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
ንማሕበር መናእሰይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
ንማሕበር ልምዓት ሽረ
ንልዕሊ 13 ዓመት ህፃውንትን መናእሰያትን ብጥበብ ወርልድ ቴኳንዶ እንዳሃነፀ: ካብ ዝተፈላለዪ ወልፍታት ዓርሶም ክሕልው እንዳገበረ ከምኡ እውን ብክልል ይኩን ብሃገር ደረጃ ዝተፈላለዪ ውድድራት ብምስታፍ ሹም ከተማና ብብራከ ክፅዋዕ ፅዋዓት ዝዓተረ እንትኮን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ስእነት መሰልጠኒ ቦታን ሕፅረት ናውቲ ስፖርትን እቲ ኣካዳሚ ኣብ ምፍራስ ሓደጋ ይርከብ።
እዚ ኣብ ዞባና ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብሕታዊ ኣካዳሚ ወርልድ ቴኳንዶ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ10 ሰልጠንቲ ካብ ደቡብ ኮርያ ኩኩዎን ብካልኣይ ዲግሪ (2ይ ዳን)ተፈቲኖም ዝሓለፉ :ልዕሊ 20 ብቀዳማይ ዲግሪ ካብ ደቡብ ኮርያ ተፈቲኖም ዝሓለፉ ብኣጠቃላሊ ልዕሊ 300 ህፃውንትን መናእሰያትን ዝሓዘ እዪ።
ስለዚ ኩለኩም ዝምልከተኩም ኣካላት እዚ ናይ ንፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ብስነምግባርን ብኣካላዊ ብቅዓትን ዝሃንፅ ዘሎ ኣካዳሚ ንከይፈርስ እጃምኩም ክትዋፅኡ ብትሕትና ንሓትት።
ብተወሳኪ ኩለኩም ፈተውቲ ስፖርት ከተማናን ክልልናን ናብ ኩሉ ንክባፃሕ ሼር ብምግባር ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።
ጅን ከመዝፃሓፎ

 #ቅሬታን  ኣነ የማነ ኣዲሱ፡ ናይ "የማነ ዎርልድ ቴኳንዶ ኣካደሚ" (Yemane World Taekwondo Academy) መስራትን ኣሰልጣንን እየ። ን13 ዓመታት ዝኣክል ክለብን መሰልጠኒ ማ...
01/09/2026

#ቅሬታን

ኣነ የማነ ኣዲሱ፡ ናይ "የማነ ዎርልድ ቴኳንዶ ኣካደሚ" (Yemane World Taekwondo Academy) መስራትን ኣሰልጣንን እየ። ን13 ዓመታት ዝኣክል ክለብን መሰልጠኒ ማእከልን ብምቛም፡ ከም በዓል ጆን ምስ ዝበሉ ናይ ሙያ መሓዙተይ ንብዙሓት መናእሰይ ናብ ስፖርት ብምእታው ካብ ዝፈላለዩ ዘይጠቕሙ ወልፍታትን ሕማቕ ተግባራትን ርሒቖም ብስነ-ስርዓት ክንጹ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ናይ ባዕለይ ዝኾነ ዓቢ እጃም ኣወፍየ እየ።

ነዚ ኩሉ ስራሕቲ ንምስላጥ፡ ባዕለይ ብናተይ ባጀት ኣደራሽ ብምክራይ ክሰርሕ ጸኒሐ። ነቲ ማእከል ዝኸውን ናይ ባዕሉ ቦታ ወይ ኣደራሽ ክወሃበኒ ብተደጋጋሚ ንምምሕዳር እቲ ኸባቢ ሕቶይን መመልከትየይን የቕርብ ነይረ። ከም ወዲ ሽረን ከም ስራሕ-ፈጣሪ መንእሰይን መጠን፡ ካብ መንግስትን ምምሕዳርን ዘድልይ ድጋፍን ምትብባዕን ክግበረለይ እኳ ተደጋጋሚ እንተሓተትኩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝሰምዐኒ ወይ ዝደገፈኒ ኣካላት ኣይረኸብኩን።

እቲ ዘሎ ምምሕዳር ንመናእሰይ እቲ ኸባቢ ኣብ ክንዲ ምጥንኻር፡ ካብ ካልእ ቦታታት ንዝመጹ መናእሰይ ክድግፍን ከተባብዕን ይርአ። ከም ኣሰልጣኒ ቴኳንዶ መጠን ንዝኾነ መንእሰይ ዝግበር ምትብባዕ ብጽቡቕ ዓይኒ እኳ እንተረኣኽዎ፡ ንዓና ንደቂ እቲ ኸባቢ ዘይምድጋፍን ዘይምትሕብባርን ግን ዘይፍትሓውን ኣድላውን ኮይኑ እረኽቦ።
"ጓና ዝኸብረላ፡ ወዲ ዓዲ ዝግፋዕላ" መግለጺ ሽረን፡ምምሕዳር ሽረን ክኸውን ዝግብኦ ኣይነበረን።

ኣብዚ ሰዓት እዚ፡ ብሰንኪ'ዚ ዝተጠቕሰ ሽግራት እታ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝሃነጽክዋ ክለብ ፈሪሳ ትርከብ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘጒሂን እዩ። ስለዚ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ነዚ ጉዳይ እዚ ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክርእይዎን መፍትሒ ክህቡሉን ብትሕትና እሓትት።

የማነ ኣዲሱ
የማነ ዎርልድ ቴኳንዶ ኣካደሚ (Yemane World Taekwondo Academy)

ማንቸስተር ዩናይትድ ንኢፕስዊች ታውን ረቲዓ ብሩኖ ፈርናንደስ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ። ኣብ ካልኣይ ዙር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኢፕስዊች ታውን 5 ብ 2 ስዒራታ።ኣከፋፋሊ ማን...
30/08/2026

ማንቸስተር ዩናይትድ ንኢፕስዊች ታውን ረቲዓ ብሩኖ ፈርናንደስ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኢፕስዊች ታውን 5 ብ 2 ስዒራታ።

ኣከፋፋሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ብሩኖ ፈርናንደስ ብ3 ሸቶታት ሃትሪክ ክሰርሕ ከሎ፡ ብራያን ምቤሞ ድማ ካልእ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ከምኡ ውን ተኸላኻላይ ኢፕስዊች ታውን ጃኮብ ግሬቭስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ነተን ካልኦት ክልተ ሸቶታት ንኢፕስዊች ታውን ሌፍ ዳቪስን ቹባ ኣክፖምን ኣመዝጊቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ሊግ ቸልሲ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ካልኣይ ዓወታ ብምምዝጋብ ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ንብራይተን 4 ብ 3 ክትስዕራ ከላ ሳንደርላንድ ድማ ንፉልሃም 1 ብ 0 ክትስዕራ ከላ ሊድስ ዩናይትድን ብሬንትፎርድን ድማ 1 ብ 1 ተፈላልየን ።

''ምስ ሙሉእ ዓቅሙ ዕድል ተነፈገ ብሉፅ ስፖርተኛ''ሙሉእ ሽም......ቴድሮስ ጉዑሽ(ማንዴላ)ተወለደሉ ቦታ....ሸረ እንዳ ስላሴ 03ተወለደሉ ዓ.ም..1996ዓ.ምዕድመ ............22...
30/08/2026

''ምስ ሙሉእ ዓቅሙ ዕድል ተነፈገ ብሉፅ ስፖርተኛ''

ሙሉእ ሽም......ቴድሮስ ጉዑሽ(ማንዴላ)
ተወለደሉ ቦታ....ሸረ እንዳ ስላሴ 03
ተወለደሉ ዓ.ም..1996ዓ.ም
ዕድመ ............22
ቁመት ..........1.73ሜ
ዝፃወተሉ ክፍሊ ቦታ ....ፀጋም ተከላካሊ
ደረጃ ትምርቲ........ዲግሪ.ብስፖርት ሳይንስ ...D ላይሰንስ ብ ኣሰልጣንነት

ተጫወተለን ጋንታታት
1. ዘይርጋ
2. ዳሽን
3. ወልዋሎB
4. ኣምበሳ ካፕ ስሑል ሽረ A
5. ሱፐር ሊግ ብውስት ኣብ ጋንታ ፍራውን
6. ሽረ B ብዓባይ
7. ጋንታ ሽራሮ

ማንዴላ ዕባይ ሽረ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ዝለዓለ ብቅዓትን ዓቅመን ዝርከብ እንትከውን ካፕቴን ናይ ጋንታ ሽረ B ኮይኑ ኣብዙይ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዋንጫ ኣልዒሉ እዩ።
ከምኡ ውን ናይ ኢትዮጵያ ክለባት ናብ ላዕለዋይ ሊግ ንምዕባይ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዘካየደኦ ውድድራት ን ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ከተማ ሸራሮ ብምውካል ዓንድ ሑቀ ናይቲ ጋንታ ኮይኑ ኑን ብፍላይ ከዓ ዘይትርሳዕ ካብ ርሕቀት ኣኽሪሩ ብምውቃዕ ናብ ሽቶ ዝቀየራ ጎል ክነስታውሳ ንክእል ኢና.....

ማንዴላ ዋላ ኮ ብዙሕ ብቅዓት ይሃልዎ ብቅዓቱ ከርእየሉ ዝክእለሉ ቦታ ግን ክወሃቦ ኣይከኣለን። ንኣብነት ኮ ተወሲድና ኣብ 2017ዓ.ም ምስ ብቅዓቱ እንዳሃለወ ብ ኣሰልጣኒ ጌታቸው ካብ ዋና ቡድን ክቅነስ ተገይሩ እዩ:: እዙይ ዘርእየና ንዝዓብዩ ደቂ ዓዲ ቦታ ከይረክቡን ኣብ ርሑቅ ከይከዱ ኣብ ቀረባ ምስንካል እዪ ሞ ኩላትና ምስ ዓቅሞም እንዳሃለው ብሰኣን ሰብ ንድሕሪት ዝምለሱ ዘለው ደቂ ዓድና ድምፂ ብምኳን ከም ማንዴላ ዝበሉ ዓቅሚ ዘለዎም ተፃወቲ ነበረታትዕ።
ሼር ብምግባር ንዝምልከቶም ኣካላት ንክበፅሖም ንግበር
ጆን ፅሓፊ

ከምቲ ዝፈለጥ ተጫወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንሰዩ ሸረ ብ ኮች ሙሌ ዝምራሕ ኣብ ፅቡቅ ኣቋም ዘሎ ክለብና ብዘለዎ ንክቅፅል ንተሓባበሮ ፌደሬሸን  ብዘውፅኦ መሰረት ተፃወቱ መልሚሉ ኣብ ዝተበሃሎ ...
19/08/2026

ከምቲ ዝፈለጥ ተጫወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንሰዩ ሸረ ብ ኮች ሙሌ ዝምራሕ ኣብ ፅቡቅ ኣቋም ዘሎ ክለብና ብዘለዎ ንክቅፅል ንተሓባበሮ ፌደሬሸን ብዘውፅኦ መሰረት ተፃወቱ መልሚሉ ኣብ ዝተበሃሎ ዕለት ን ክጅምር ናይ ሸረ ሰፖርት ኮሚሽን ውን ምትሕብባር ክገብረሉ ንላቦ ሼር ምግባር ውን ሓገዝ እዩ ።።

 🔰
16/08/2026

🔰

✨ ሰናይ ባሕቲ ነሓሰ! ✨​ዶክመር ኢንተርናሽናል ሆስፒታል ዋሕስ ጥዕኖኦም!✍️​📞 ንዝበለፀ ሓበሬታ ደውሉልና፦ 0903 15 15 15💫ኣድራሻ:-ሽረ እንዳሥላሴ
07/08/2026

✨ ሰናይ ባሕቲ ነሓሰ! ✨
​ዶክመር ኢንተርናሽናል ሆስፒታል
ዋሕስ ጥዕኖኦም!

✍️​📞 ንዝበለፀ ሓበሬታ ደውሉልና፦ 0903 15 15 15

💫ኣድራሻ:-ሽረ እንዳሥላሴ

ግዜ ምልላይ🏥 ዶክመር ኢንተርናሽናል ፍሉይ ስፔሻሊቲ ሕክምና ቆርበትን ኣባላዘርን​(Docmer International Medical Solution)💫እንህቦም ግልጋሎታትብዘመናዊ መሳርሕታት ዝተሓገ...
04/08/2026

ግዜ ምልላይ
🏥 ዶክመር ኢንተርናሽናል ፍሉይ ስፔሻሊቲ ሕክምና ቆርበትን ኣባላዘርን
​(Docmer International Medical Solution)

💫እንህቦም ግልጋሎታት
ብዘመናዊ መሳርሕታት ዝተሓገዘ ሙሉእ ምርመራን ሕክምናን ሕማማት ቆርበት፣ፀጉርን ፅፍርን ናይ ዓበይትን ህፃውንትን

🔸ዓበቅ፣ ኣልማዝ ባለ ጭራን
🔸ናይ ቆርበት ምቺ
🔸ንፍዮን ፍሮማይን
🔸መግለ ኣንጭዋን መገረምን
🔸 ፋንገስን ምንቓዕን እግሪ
🔸ተውሳስ፣ ጭርዕንቲ፣ ፎሮፎርን ዙዕታን
🔸ናይ ቆርበት መንቀርሳ፣ ስጋ ደዌን ጉዝዋን
🔸 ቁጥዐን ሕኽኽን ዘስዕቡ ሕማማት ቆርበት
🔸ዘይንቡር ረሃፅ
🔸ሕብጠትን በሰላን ቆርበት
🔸ሕማም መንሽሮ ቆርበት (ካንሰር )
🔸መቁሰልቲ ከንፈር፣ መልሓስን ኣፍን
🔸ሕክምና ላፃይቶ፣ ምምላጥ፣ ምንቕቓል ፀጉሪን
🔸መቁሰልቲ ቆርበት
🔸 ሕማም ፅፍሪ እግርን ኢድን
🔸 ፈፀጋ፣ ለምፂ፣ ሶርያሲስን ማድያትን

💫ሙሉእ ምርመራን ሕክምናን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

💠ፍንጣጣ፣ ከርክርን ጅግልን
💠ኤች ኣይ ቪን ኻልኦትን
💠ናፃ ምኽሪ ግልጋሎት ሕማም ኣባላዘር

💫ብዘመናዊ መሳርሕታት ዝተሓገዘ ቀሊል መጥባሕቲ ቆርበት

🔹ምውጋድ ትርፊ ስጋን ዘይተደለዩ ሕብጠታት ቆርበትን
🔹ምውጋድ ኣድጊ ጡብ፣ ምውጋድ ጠባሳታት
🔹ምውሳድ ናሙና ቆርበትን ፓቶሎጂ ምርመራን
🔹ግልጋሎት ኤሌክትሮካውተሪን ክራዮቴራፒን

💫ግልጋሎት ስነ ፅባቀ

🔸ሕክምና ናይ ፈፀጋ በሰላን ኻልኦት ጠባሳታትን፣
🔸ሕክምና ምቅያር ቀለም ቆርበትን ምሕዳሰ ቆርበትን
🔸ምውጋድ ሸንተረር ቆርበትን ሕክምና እርጋን ቆርበት
🔸ግልጋሎት ሌዘር ንምውጋድ ውቃጦን ጸጉሪን ፣
🔸ሃይድራፌሻል
🔸ኤልኢዲ ላይት ቴራፒ
🔸ማይክሮኒድሊንግን ፒኣርፒን
🔸ናፃ ምኽሪ ክንክን ቆርበት ፀጉሪን ፅፍሪን

🔰 #ኣድራሻ :- ከተማ ሽረ እንዳሥላሴ ቀበሌ 04 ካብ መነሃርያ ንኣንፈት ምብራቅ ልዕል ኢሎም ኣብ ዋና መንገዲ ይረክቡና።

💠ንዝበለፀ ሓበሪታ:- 0903151515/0971866666

ጋንታና ጋንታ ምድረ ገነት ሸረ (ኣልጋይነሽ) ደቂ ኣንሰትዮ ብፀቢብ ወፂኢት 1- 0 ተሸኒፈን 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ ቡሩር መዳልያ ክብሪ ተወንዚፈን ኣለዋ።   ደገፍን ሓቦን ኾች ሙሌ ነዚ ው...
01/08/2026

ጋንታና ጋንታ ምድረ ገነት ሸረ (ኣልጋይነሽ) ደቂ ኣንሰትዮ ብፀቢብ ወፂኢት 1- 0 ተሸኒፈን 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ ቡሩር መዳልያ ክብሪ ተወንዚፈን ኣለዋ።

ደገፍን ሓቦን ኾች ሙሌ ነዚ ውፂኢት ስለ ዘምፃኻ ባኣኻ ተሓቢና ኢና።
👉ኣጆኽን ዘንኣሕዋተይ 💪🥈🏆

 ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ምድረገነት ሽረ ምስ ኢትዮጵያ ቡናሎሜ ሰዓት 10:00 ናይ ዋንጫ ጨወታ ክተሳልጥ እያዓወት ንጋንታና
01/08/2026


ተፃወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ምድረገነት ሽረ ምስ ኢትዮጵያ ቡና
ሎሜ ሰዓት 10:00 ናይ ዋንጫ ጨወታ ክተሳልጥ እያ
ዓወት ንጋንታና

Address

ሽረ
Shire
0910191565

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጋንታ ሱሑል ሽረን ደገፍትን Suhul Shire posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share

Category