30/08/2026
በዓል ኣሸንዳ "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ" ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ — ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ክብርታት ትግራይ መሰረት ገይሩ ንዘመናት ባህላዊ ትሕዝቶኡ ከይተበረዘ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገረ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት እውን "ድምፂ ሰላም፣ ዜማ ናፅነት ድሙቕ ባህሊ — ኣሸንዳ ትግራይ!" ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓድዋ ሙዚየም ኣደራሽ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ (Adwa Zero Zero) ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።
እቲ በዓል ብኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ስምረት ን ዋና መተሓባበሪ ዞባ ኣዲስ ኣበባን ዝኾኑ ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ ብወግዒ ዝተኸፈተ እንተኾኑ፡ ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ በዓል ኣሸንዳ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደናግል ኣዋልድን በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ባህላዊ መንነት፣ ፅባቐን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮ ንዓለም ዘበስር ዓብዪ ሃብቲ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ ኣብ መደረኦም ዘመሓላለፍዎም ቀንዲ መልእኽትታት፦
ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር፦ ኣሸንዳ ናይ ምትእኽኻብን ምራኸብን፣ ምስሳንን ሓድነትን መድረኽ ብምዃኑ፡ ኣብ ማሕበረሰብና ዘላቒ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናን ንምጥንኻር ከም ዓብዪ ድልድል ኮይኑ ዝገልግል እዩሞ ክንዕቅቦ ይግባእ።
ባህላዊ ፅባቐን ፍቕሪን፦ ባህላዊ ኣልባሳት፣ መጋየፂ፣ ሽልማትን ኣስራርሓ ፀጉርን ጐራዙ መሰረት ብምግባር ናይ ትግራይ ጥበባዊን ባህላዊን ፅባቐ ንዓለም ዘርኢ ናይ ፍቕሪ መድረኽ ብምዃኑ ከም ሃገር ክኽበር ይግባእ።
መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ፦ ደቂ ኣንስትዮ ብደስታ፣ ብዜማን ብሽልማትን ማዕሪገን ድሌተንን ድምፀንን ብነፃነት ዘስምዓሉ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘዕብያሉ ታሪኻዊ ባህላዊ መሰል ብምዃኑ፡ ኩለን ደቂ ኣንእስትዮ ኢትዮጵያ ክኽተልኦ ይግባእ።
ኣብቲ ኣብ ዓድዋ ዜሮ ዜሮ ዝተኻየደ ድሙቕ ናይ መዛዘሚ መድረኽ፡ መላእ ነባሪ እታ ከተማ፣ ናይ ትግራይ ተወለድቲ፣ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን መራኸቢ ሓፋሽን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ትርኢታት፣ ናይ "ደቂ ኣሸንዳ" ዜማታትን ቐለማት ብዝሓዘ ባህላዊ ኣልባሳትን ኣዚዩ ብዝድምቕ ኩነታት ተዛዚሙ እዩ።
እዚ ንባህላዊ ክብርታትና ንምስፋሕ፣ ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ናይ ባህሊ ጸጋታትና ንዓለም ንምልላይ ዝዓለመ መድረኽ፡ ኩሉ ፈታዊ ባህልን ሰላምን ዘድሊ ድጋፍ ብምግባር ንዕብየት ባህልና እጃሙ ክወፅእ ኣይተ ፀጋይ ፃዲቕ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።