14/01/2026
ሃገራዊ ፈደረሽን ሰደቃ ቴንስ ኤርትራ ንኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ስልጠና ሰደቃ ቴንስ ሂቡ
ሃገራዊ ፈደረሽን ሰደቃ ቴንስ ኤርትራ ንመንእሰያት ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ስልጠና ሰደቃ ቴንስ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ሂቡ
እቲ ንሓሙሽተ ሳምንቲ ካብ 20 ሕዳር ክሳብ 23 ታሕሳስ ዝተወሃበ ስልጠና 13 ሰልጠንቲ ተሳቲፎሞ።
ዕላማ እቲ ስልጠና ሃ/ፈ/ሰ/ቴንስ ከምቲ ብቐጻሊ ክህቦ ዝጸንሐ ስልጠናታት፡ መንእሰያት ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻ ከም ካልቕ ዓውደ ስፖርት ብቀጻሊ ኣብ ዝካይድዎ ውድድር ንዝርግሐ ሰደቓ ቴንስ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ኣባል ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤርትራ ሓላፊ ቴንክኒክ መም ስምኦን የማነን ተሓጋጋዚ ኣስልጣኒ ሶፋንያስ ሳምሶምን’ዮም።
ሰልጠንቲ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል ሓድሽ ዓመት 2026 ዝተዳለወሎም ሰርቲፊኬት ካብ ፕረሲደንት ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤርትራ ኢንጅነር ኣሕመዲን መሓመድሓጎስ ተቐቢሎም።